ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጻዊት ሻም ጌሹ ዓሪፋ


ሓንቲ ካብተን ዳሕረዎት ወለዶ ብልጽቲ ድምጻዊት ቋንቋ ትግረ ምዃና ብዙሕ ዝዝርበላ ሻም ጌሹ ኣብ ኤርትራ፡ ብሓደጋ መኪና ኣብ መገዲ ምጽዋዕ-ኣስመራ ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ ሎሚ 6 የካቲት 2023 ኣብ ኣስመራ ምፍጻሙ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ካብ ክልተ ስነ-ጥበበኛታት ተጋደልቲ ስድራ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ወርሓት ናጽነት ኤርትራ፡ ማለት ግንቦት 1991 ዝተወልደት ሻም፡ ካብ ብንእሽቶኣ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ብቐንዱ ድማ ምውሳእን ምድራፍን ከም ዝጀመረት ታሪኽ ህይወታ የመልክት። ኣብ በበይኑ ተኸታታሊ ፊልምታት፡ ሃገራዊ በዓላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን እትደርፍ ዝነበረት ሻም ጌሹ፡ ብቛንቋታት ትግረ፡ ትግርኛን ዓረብን ትደርፍ ነይራ። ድምጻዊት ሻም፡ ሰለስቲኡ ቋንቋታት’ውን ትመልኽ ምንባራ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጥየቕ ጠቒሳ ነይራ። ምስ ድራማታትን ንጽል ደርፍታትን ብድምሩ ኣስታት 25 ደርፍታት ከም ዝሰርሐት ሻም ቅድሚ ሕጂ ገሊጻ ነይራ።

ኣደ ክልተ ቆልዑ ሻም፡ ኣብዚ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ሓደ ካብቶም ደቃ ምማቱ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG