ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለዩ ኣካላት ንጉዳይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ `ቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ምንዋጽ፡ መንግስቲ ንድሕነት ሰለማውያን ሰባትን ትካላትን ኣብ ምሕላው ግቡኡ ክፍጽም ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብወገኑ ኣብ ደቡብ ወሎ ወረዳ መቕደላ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጉዳይ ብእምነት ሃይማኖትን ልቦና ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ክፍታሕ ኣገዳሲ`ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ስሚዒታት ክውገድን፡ ደረቕ ኣተሓሳስባ ክቕየረን ይግባእ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሺመልስ ኣብዲሳ፡ ነቲ "ብሽም ሃይማኖት ዝግበር ጸወታ" ዝበሎ ነገር ኮኒኑ`ሎ። ንሱ ምስ OBN ማለት ኦሮሞ ብሮድካስቲን ኔትዎርክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ንድልየት ህዝቢ ንምዕፋን ዝዓለመ ጸወታ ዕንወት`ዩ ሳዕቤኑ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ። ኣቶ ሺመልስ ብዛዕባ`ቲ ኣብ እምነት ኦርቶዶክስ ተፈጢሩ ዘሎ ነውጺ ብቐጥታ ኣይጠቐሰን።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ብወገኖም ትማሊ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ስፍሓቱን ዕምቆቱን ተረዲኦም ፡ ልዝብ፣ ይቕሬታን ምእራምን ከቐድሙ ኣለዎም ዝብል ምሕጽንታ ኣውጺኦም`ዮም።

XS
SM
MD
LG