ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሃይማኖታዊ ተቋማት ኢትዮጵያ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝተፈጥረ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም


መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ "ዝተፈጠረ ፀገም ስፍሓትን ዕምቆትን ተረዲኦም ልዝብ፣ ይቕሬታን ምእራምን ከቐድሙ ኣለዎም’’ክብል ጉባኤ ሃይማኖታዊ ተቋማት ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

ናይቲ ፀገም ምጉህሃር ከምዘተሓሳሰቦ ዝገለፀ እቲ ጉባኤ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ሽግር ብናይታ ቤተክርስቲያን ሕጊ፣ ቀኖናን ስርዓት ጥራሕ ክፍታሕ ሓላፍነቶም ብዓንቀፃት 11ን 27ን ሕገ መንግስቲ ክምእዘዙን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ምስዚ ዝተኣሳሰረ ዜና ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ እታ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምዘይትቐበሎ ኣብ ዘውፅእቶ ምላሽ ኣፍሊጣ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ፃውዒት ስዒቡ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ምእመናን ፀሊም ኣልባሳት ተኸዲኖም ተራእዮም ኣለው።እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ዘይረክብ እንተኾይኑ 5 ለካቲት 2015 ሰላማዊ ሰልፊ ዝፀውዐት ክትኸውን ከላ ‘’ናይ ኦሮሚያን ብሄርን ብሄረሰባትን ሲኖዶስ’’ ብዝብል ብዝተነፀሉ ጉጅለታት ምጥያሱ ዝተገለፀ ኣካል ብተመሳሳሊ ዕለት ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ንናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝፀውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

XS
SM
MD
LG