ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ፤ ብሓገዝ ቤላሩስ እቶት ሕርሻ ንምዕባይ ትዕልም


ሕርሻዊ እቶት እታ ሃገር ኣብ ኣመና ምንቍልቋልን ናብ ልምዳዊ ኣገባብን ተወሲኑ ዝጸንሐ ዚምባብወ፡ ብምትሕብባር ሓዳስ መሓዛኣ፡ ቤላሩስ ነቲ ጽላት ንምዕባይ ተበጊሳ ከም ዘላ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን’ዩ። እታ ኣብ ጸግዒ ሩስያ ኰይና ንወራር ዩክሬን ብምድጋፍ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ሃገራት ምዕራብ ትርከብ ሃገረ ቤላሩስ ምስታ ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ዘላ ዚምባብወ ሓድሽ ኪዳን ጀሚረን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ኣብቲ ፈላሚ ዑደቶም ሓደ ሽሕ ሓረስቶትን ትራክተራትን ካልእ መሳለጢ ሕርሻን ንዚምባብወ ምሃቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ዚምባብወ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ “ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴና ዘሎ ናይ ቦታ ፍልልይ ኣጽቢብና ክንተሓባባር ደሉዋት ኢና፡” ኢሎም። ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋዋ ብወገኖም ነቲ ሽርከነት “ኣብ መንጎ ግዳያት ተደጋጋሚ ማዕቀብ ዝዀና ክልተ ሃገራት” ክብሉ ገሊፆምዎ።

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ፈለማ 2000፡ ብሰንኪ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ስርቂ ምርጫን ንዚምባብወ ቍጠባዊ ማዕቀብ ኣንቢረናላ’የን። እዚ ምስ ቤላሩስ እትገብሮ ሽርክነት ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኩነት ስለ ዝሳለጥ ድማ ሓደ መስተርሆት ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

“መሶብ ኣፍሪቃ” ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረ ዚምባብወ፡ ኣብ ፈለማ ዓመተ 2000፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበሩ ሮበርት ሙጋበ ብዝገበርዎ ናይ መሬት ለውጢን ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት ምምንዛዕን ሕርሻዊ እቶት እታ ሃገር ቀልጢፉ ወዲቑ ግዳይ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ክትከውን ገይሩዋ’ዩ።

እዚ ምስ ቤላሩስ ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ሕርሻዊ እቶት ከዕብዮ ተስፋ ይገብር።

XS
SM
MD
LG