ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ቤላሩስ ኣብ ዚምባብወ ምብጻሕ የካይዱ


ፕረዚደንት በላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሺንኮ ምስ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ናንጋግዋ ብዛዕባ ምሕያል ዝምድናታት ፖለቲካ ማዕድንን ሕርሻን ንምዝርራብ ናብታ ሃገር ምእታው ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ይሕብር።

ፕረዚደንት ሉካሺንኮ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃራረ ዝበጽሕሉ ፕረዚደንት`ታ ሃገርን ኣሸሓት ደገፍቲ ገዛኢ ሰልፊ ዚምባብወን ተቐቢሎሞ። ብመሰረት ሓበረታ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ነቲ ዑደት ታሪኻዊ ዑደት ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ነቐፍትን ምዕራባውያን ሃገራትን ንኽልቲኦም መራሕቲ፡ ብብልሽውናን ብምዕፋን ንናጻ ፕረስ ይኸስዎም፡ ክልቲኦም ድማ ነቲ ክሲ ሓሶት ክብሉ ይነጽግዎ።

ዚምባብወን በላሩስን ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ በላሩስ ንወራር ሩስያ ኣብ ይክሬን ዝደገፈት ሃገር`ያ። ዚምባብወ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ መርገጽ ብምሓዝ ንሞስኮ ኣይኩንንን ዝበለት`ያ።

XS
SM
MD
LG