ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ- ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ


ኢብራሂም ዓብደልኑርን ከማል ዓሊን
ኢብራሂም ዓብደልኑርን ከማል ዓሊን

ዓለምለኸ ውድባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍልይቲ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ዘለዎም ሻቕሎት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። እዞም አካላት ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኹናትን ውጥረትን እንተብቕዓ ኤርትራዊያን ዜጋታት ግን ካብቲ ዝተረኽበ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝረኸብዎ ኣወንታዊ ጥቕሚ የለን ይብሉ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክተኣታተው፡ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ዝብሉ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።

‘ይኣክል’ ብዝብል ወፍሪ ብዙሃት ኤርትራዊያን ነበርቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ድምጾም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን የስምዑ ኣለው።

ይኹን ደአ እምበር መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ግን እቲ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣወንታዊ ውጽኢት ይረኽብ ምህላውንን ውጽኢቱ ድማ ብመስርሕ ጊዜ ዝርከብ ምኳኑ ይገልጹ።

ንክልቲኡ ሓሳባት ዘቓልሑ ኢብራሂም ዓብደልኑርን ከማል ዓሊን ኣዘራሪብና አለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ- ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:08 0:00

ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ- ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:49 0:00

XS
SM
MD
LG