ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቀረባት መሳለጥያ ተደናጒዩ” ሮይተርስ


ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማኢክሉ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ክከየድ ተመዲቡ ዝነበረ መሰርሕ ዘተ-ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ብሰንኪ ቀረባት፡ ካብቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ከም ዝተመሓላለፈ ንዲፕሎማሳዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቃናዕ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ምቕባሎም ይፍለጥ።

እቶም ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ምንጭታት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሩዎ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይ--ዝርዝር ከይጠቐሱ-- ብሰንኪ መሳለጢ ቀረባት ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቲ ንጽባሕ ቀዳመ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ንመዓስ ከም ዝካየድ ዛጊት ኣይተሓበረን።

ብዛዕባ’ዚ ምድንጓይ እቲ መደብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስምዕ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፣ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ወሃብ-ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጠ ሓቢሩ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ዝስዕብ ምዕባለታት ከነስዕብ ኢና።

XS
SM
MD
LG