ጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ኲናት ንምሽምጋል ውድቡ ናብ ክልተ ተቐናቐንቲ ኣካላት ዕድመ ምልኣኹ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ተላኢኹ ዘሎ ናይ ዕድመ ደብዳበ እቲ ዝርርብ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ክካየድ። ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሬድዋን ሑሴን መንግስቱ ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ። ኣምባሳድር ሬድዋን እቲ ዕድመ፡ ምስቲ ኣቐዲሞም ክብሉዎ ዝጸንሑ ዘተ ብዘይ ቅድመ-ኵነት’ውን ዝኸይድ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ክንዲ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክካየድ ከም ዝመርጽ ሓቢሩ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ብጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዘሎ ደብዳበ፡ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፉምዚለ ምላምቦ-ንጋኩዋን (Phumzile Mlambo-Ngcuka) ዝድገፍ’ዩ።
ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘመልከቱዎ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ብተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን'ውን ከማእከል’ዩ።
እዚ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዕድመ ዛጊት ተፈቲኑ ካብ ዘሎ ዘተ-ሰላም እቲ ዝለዓለ ክብደት ተዋሂቡዎ ዘሎ'ዩ ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይዶ ልዝብ ሰላም ወከልቲ ትግራይ ክሳተፉ ንዘቅረበሎም ዕድመ ብሽም ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተቀበሉ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣፍሊጦም።
ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ ዝላኣኽዎ ደብዳቤ "መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክሳለጥ መደብ ዝተታሓዘሉ ልዝብ ሰላም ንክሳተፍ ቅሩብ እዩ" ኢሎም።
ዶ/ር ደብረጽየን እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ምቁራጽ ተኹሲ ዝሓውስ እንተኾይኑ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና’ውን ይብል።
ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ቅድሚ’ቲ ደብዳቤ ምጽሓፉ ዋላ’ውን እንተዘየማኸርኩምና ገለ ተወሳኺ መብርሂ ዘድልዮም ነጥቢታት ከምዘለው ክንሕብር ንደሊ። ሓደ ኣብ’ቲ ልዝብ ካልኦት ተዋሳእቲ ክህልው ድዮም? ንኣብነት ተዓዘብቲ፣ ኣውሓስቲ፣ ግደ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብ’ቲ ልዝብ ንዝሳተፉ ሰባት ዝዋሃቦም ሓለዋን ሎጂስትካዊ ድጋፍን ዝምልከት መብርሂ ንክዋሃብ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምግሎ ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፣ ቀዳመምን ሰንበትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳለጥ ትጽቢት ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ዜና፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ድሮን፡ ብዝሒ ምዉታት ልዕሊ 50 ቍስላት ድማ ልዕሊ 70 ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ኣሃዝ ኣብ መንጎ 50ን 60 ምዃኑ ነቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምሕታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።
እቲ ደብዳብ ድሮን፡ ተመዛበልቲ የዕቍቦምሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ምህራሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይጠቅስ።