ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (3ይ ክፋል)


ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው ካብ ኣወንታዊ ብኣሉታን ዘይንዓቕ ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ለውጢ ንምምፃእን ፅዕንቶ ንምሕዳርን ዘይንዓቕ ኣወንታዊ ታራ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ብኣንፃሩ ዝተጋነኑን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ብምንዛሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ታራይ ይፃወት ኣሎ ይብል ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕ ዘሎን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተልንኣርክቴክት ኤርሚያስ ኣማረ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዛይድ ኣሎ ኣብ ይብል ብምውሳክ።ሰባት ብዘይፈልጡዎን ኣብዘይውዓልሉን ጉዳይ ብማሕበራዊ ሚዲያ ብሰንኪ ዝንዛሕ ወረ ንመዋእሎም ዘጥረይዎ ንብረት ክዓንው ከምዝተገብረ ወሲኹ ይገልፅ።

ማሕበራዊ ሚዲያ ሰባት ነንሕድ ሕዶም ዝመሃርሉ ዓውዲ እዩ ዝበለ ድማ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ዝርከብን እዩ።

እቲ ዓብይ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ናይ ፌስቡክ ከይኮነስ ናይተጠቀምቲ ናይ ኣተሓሳስብ ፀገም እዩ ይብል።ሕምቕ ፅሑፋት ብምጥቃዕ ብዙሕ ሰዓቢ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘኸትል ይግለፅ።’’ኣብ በይኑ ተሓቢኡ ኣብ ፌስቡክ ጫፍ ዝወፀአ ዘርኣውነት ዝሰብክ ሰብ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢልካ ክተዛርቦ እንተለኻ ከምኡ ዝበለ ባህሪ ኣየርእን እዚ ድማ እቲ መደረኽ ከም ናይ ሓቃዊ ዓለም ከይኮነስ ከም ናይ ሓሶት ዓለም ስለዝርኢዎ እዩ ዝመስለኒ’’ ይብል ዶክተር ሓጎስ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትወፅእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል እውን ሪኢቶታቶም ሂቦም ኣለው።

ሙሉእ ትሕቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (3ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:50 0:00


XS
SM
MD
LG