ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ


ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 3 ግንቦት ዝኽበር ናጽነት ፕረስ ዓለም ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ውዒሉ’ሎ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዜጠኛታት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ፅልኢትን ተፃብኦን የጋጥሞም ኣሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኽሪ’ቲ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ዋዕላ ኣብታ ሃገር ንዝተረኣየ ኣወንታዊ ለውጥን ዘለው ፈተናታትን ዳህሲሱ።

ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (Reporters Without Borders) ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ብመሰረት ዘውፅኦ ፀብፃብ ገና ሓሙሽተ ወርሒ ዘቑፀረ ዓመተ 2019 ብሰንኪ ምውሳኽ ፅልኢ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ናፃነት ፕረስ እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ።

ውልቀመለኽቲ መንግስታት ንመሓውራት ዜና ንምቁፅጻር ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ጋዜጠኛታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ዒላማ ይኾኑ ኣለው።ብመሰረት ሓድሽ መፅናዕቲ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ስግኣትን ፍርሕን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ኣሜሪካን ንናጽነት ፕረስ እናፅበቦ ይርከብ።

ዳይሬክተር ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ (Committee to Protect Journalist) ዝተባህለ ትካል ዝነበሩ ሮበርት ማሆኒ እዚ ኣብ ልዕሊ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝፍፀም መጥቓዕቲ እዩ ይብሉዎ።

“መንግስታት ክሕተቱን ግሉጽነት ክህልዎምን ኣብ ቅድሚት መስርዕ ኮይኖም ዝቃለሱዎም ዘለው ጋዜጠኛታት እዮም።ናይ ሰባት ኣተሓሕዛ መሰላት እንታይ ይመስል? ናይ ኸፈልቲ ግብሪ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ይውዕል ኣሎ?ጋዜጠኛታት እንተ ዘይህልው መንግስታት ነዞም መሰላት ዝድርቱ ፖሊስታት ይፍፅሙ፤ብልሽውና ይነግስ ማለት እዩ።”

ንኣባላት ፕረስ ንምፍርራሕ ዝጥቀሙሎም ስልትታት መጥቓዕትታት ኮምፒተር፣ማእሰርቲ፤ዓፊንካ ምውሳድን ኣብ ገሊኡ ድማ ብምቕታል እዩ።

ቻይናን ሰሜን ኮሪያን ካብተን ዝኸፍኣ ዓፈንቲ ፕረስ ገሊአን እየን።ኣሜሪካ እውን ብሰለስተ ነጥብታት ወሪዳ’ላ።ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዙ ‘ናይ ሓሶት ዜና’ (Fake News) ዝብል ስም እንተተወሃቦም እውን ጋዜጠኛታት ሕጂ እውን ናይ ኣሜሪካ ሕገ መንግስቲ ሓለዋ ይገብረሎም፤ስርሖም ክቕፅሉ እውን ዓቕሚ ይህቦም እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሃገራት ኤስያ ናጽነት ፕረስ ዓምቢቡላ ናይ ዝነበረት ፊሊፒንስ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርቴ ፕረስ ክፅላእ ኣበርኽቶ ምግባሮም ቀፂሎም ኣለው።

ተሓለቕቲ መሓውራት ዜና ከምዝገለፁዎ ራፕለር ዶት ካም ኣብ ልዕሊ ዝተባህለ መራኸቢ ማዕኸን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ይገልፁ።ዋና ፈፃሚት ስራሕን ኣሰናዳኢትን ራፕለር ዶት ካም (Rappler.com) ማሪያ ረሳ ካብ ማኒላ ፊሊፒንስ ከምዚ ትብል።

“ኣብቶም ዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ እንተድኣ ሪኢና መንግስቲ ፍሊፒንስ ኣብ ልዕሌና 11 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ።ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሸሞንተ ግዜ ዋሕስ ኣትሒዘ።ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙናት ክልተ ግዜ ተኣሲረ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትየ ነይረ።እዚ ዘርእዮ ናይ ፕረስ ናጽነትና ፍፁም ምሽርሻሩ እዩ።”

ብመሰረት ፀብፃብ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኖርወይ ዝለዓለ ነጥቢ ረኺባ’ላ።ብሓፈሻ ግን ኣተሓሕዛ መሓውራት ዜና ፅቡቕ ሽም ዝነበረን ሃገራት የንቆልቁላ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ መደረ ዘስምዑ አጋይሽ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ኣተሓሕዛ መራኸቢ ብዙሃን ብዘርኣየቶ ምምሕያሽ ንኢዶምዋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ መዕቀኒ ናጽነት ፕረስ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝለዓለ ንላዕሊ ደይቡ’ሎ፤ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብ40 ደረጃ ኣማሓይሻ’ላ።

ዋዕላ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:14 0:00

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦትን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ዝወሰኸ ደረጃ ናጽነት ፕረስን ሓደጋታት ዘይሓላፍነታዊ መሓውራት ዜና ሚዛን ምሓዝ ከምዘድልይ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣስታት 100 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ልዕሊ 300 ድማ ተአሲሮም።

ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ሓሚድ ሚር ዩኒስኮ ዓለምለኸ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ዋዕላ ንክሳተፍ ምስተዓደመ ንጋዜጠኛታት ትኣስር ዝነበረ ሃገር ንምንታይ ኢሉ ከምዝሓተት ይገልፅ።

“ንዓይ ዓብዪ ኣግራሞት ፈጢሩለይ” ዝበለ ንሱ "ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ 2018 ጥራሕ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ዝነበረት ሃገር እያ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን መፂኦም ንመሓውራት ዜና ነፃ ክሳብ ዝገብሩ ብዙሓት ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታትን ተኣጊደን እየን ነይረን።ንኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ፈቲሖምዎምን እዮም።ስለዝኾነ ዩኔስኮ ንመዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዝምልከት ዋዕላ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ርትዓዊ እዩ” ይብል።

ናይቲ ለውጢ መራሒ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ግን ኣብዚ ናይ ሓሶት ዜናታት ዓብይ ስግኣት ዝኾነሉ ዲጂታላዊ ዘመን ሓላፍነት ዝመልኦ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣድላይ ምዃኑ ብትሪ ገሊጾም።

ዓሌታዊ ግጭት ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንዝተረኽቡ ለውጥታት ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓላፍነት ዘይስምዖም ማዕናት ዜና ንሰላምን ፀጥታን እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሮም ኣለው ኢሎም ።

“መሓውራት ዜና ተፈጢሩ ዘሎ ፅቡቕ ሃዋህው ክጥቀሙ ከለው ድምፆምን ብርዖምን ስነ ምግባርን ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ኣለዎ።ምኽፋት ሃዋህው ሚዲያ ንጌጋ ሓበሬታ፣ናይ ፅልኢ መደረ ንምስፍሕፋን ንናይ ሓሶት ዜናን መሳለጢ ከይኸውን ከነረጋግፅ ኣለና።”

ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ፀዳለ ለማ ናይ መሓውራት ዜና ህዝበኝነት እናዓበይ ይኸይድ ስለዘሎ ንናጽነት ፕረስ ኣብ ሓደጋ ከየውደቕካ ገለ ክግበር ከምዘለዎ ትዛረብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:21 0:00

XS
SM
MD
LG