ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋንጫ ዓለም ድሕሪ 56 ግጥማት


ድሕሪ 56 ግጥማት: ዋንጫ ዓለም ንምጭባጥ ዘቛምታ ሾሞንተ ሃገራት ተሪፈን ኣለዋ።

ኣብ መወዳእታ ግጥም ንርብዒ ፍጻመ መን ሓለፈ ዘካየዳ ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ኮሎምብያን ክኾና ከለዋ፤ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዳርጋ ተሳሒጋ ክበሃል ብዝኽእል ጸወታ ንመጋጥምታ ኮሎምብያ ድሕሪ ናይ 120 ደቓይቕ ሓደ ብሓደ ዝኾነ ውጽኢት: ብዝተዋህበን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ' ዩ ክፈላለያ ተገይሩ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 4 ብ 3 ብዝኾነ ሓፈሻዊ ውጽኢት: ሻሙነይቲ ኮይና ቦትኣ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከተውሕስ ምኽኣላ ይዝከር።

እዘን ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ 32 ሃገራት ተሪፈን ዘለዋ ሾሞንተ ጋንታታት እምበኣር: ጽባሕ ዓርቢ ብዘካይድኦ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ክፍልማ እየን። ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ ኡራጋይ ምስ ፈረንሳይ ብራዚል ድማ ምስ ቤልጅዩም ክገጥማ እየን።

ቅድመ-ግጥም ፈረንሳይን ኡራጋይን

ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብዘሕፍር ኣገባብ ካብ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምግላፋ እያ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ተሰጋጊራ። ኣብ ናይ ምድብ ጸወታኣ ድማ ንኣውስትራልያ ክልተ ብሓደ ንፐሩ ድማ ሓደ ብባዶ ስዒራ ምስ ደንማርክ ባዶ ብባዶ ተፈላልያ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ምድብ ግጥማታ ብሽዱሽተ ነጥቢ ክትሰግር ዝኸኣለት።

ተጻወቲ ጋንታ ኡራጋይ
ተጻወቲ ጋንታ ኡራጋይ

ብተመሳሳሊ ኡራጋይ ናብዚ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ዝኸኣት ንብክርስትያኖ ሮናልዶ ትምራሕን ሻምፕዮን ኤውሮጳ ንዝኾነትን ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ክልተ ብ ሓደ ድሕሪ ምግላፋ እዩ።

ኣቐዲማ ኣብ ናይ ምድብ ግጥማታ ንግብጺ ሓደ ብ ባዶ ንስዑድ ዓረብ ብተመሳሳሊ ሓደ ብ ባዶ ከምኡውን ንአንጋዲት ሩስያ ሰለስተ ብ ባዶ ተዓዊታ ምሉእ ትሽዓተ ነጥቢ ሒዛ ናብ ዝሓለፈ ጸወታኣ ክትሰግር ክኢላ።

ተጻወቲ ጋንታ ፈረንሳ
ተጻወቲ ጋንታ ፈረንሳ

ሃገራውያን ጋንታታት ኡራጋይን ፈረንሳይን ምልስ ኢልና ታሪኻዊ ድሕረ ባይትአን እንድሕር ርኢናዮ: ብዙሕ ሰሓቢ ዝኾነን ዝጥቀስን ግጥም ከምዘየካየዳ'ዩ ዝግለጸ። ኣብተን ዝተራኸባለን ሒደት ግጥማት ድማ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሕ ሸቶ ዘይተመዝገቦ ማዕረ ውጽኢት'ዩ ነይርወን።

ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት መወዳእታ ዝተራኸባሉ ኣብ 2013 ዘካየድኦ ናይ ምሕዝነት ግጥም ኮይኑ: ኡራጋይ ብመገዲ ልዊስ ሱዋረዝ ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሓንቲ ሸቶ ምዕዋታ ይጥቀስ።

እዚ ኮይኑ ከብቅዕ: ኣብዚ ጽባሕ ዝካየድ ግጥም ክልቲአን ሃገራት መን ክትዕወትያ ንምግማት ኣዝዩ ዘጸግም ምዃኑ'ዮም ሓያሎ ተንተንቲ ስፖርት ኣብ ምግላጽ ዝርከቡ። እቲ ድሕሪ ልዊስ ስዋረዝ ዓንዲ ሕቖ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጋይ ምዃኑ ዝንገረሉን ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ ኣንጻር ፖርቱጋል ክልተ ሸቶ ብምምዝጋብ ህቡብነቱ ኣመና ዝገነነ ኢዲንሶን ካቫኒ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ: ብክርስትያኖ ሮናልዶ ተደጊፉ ድሕሪ ምውጽኡ: ኣብዚ ናይ ጽባሕ ክስለፍ ምዃኑ ኣጠራጢሩ ኣሎ።

ዋላ'ውን እንተተሰለፈ ማህረምቱ ብግቡእ ከንቀሳቕሶ ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ መዛረቢ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ኣሎ።በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጋይ ነዚ ዝጽበያ ግጥም ክትዕወት ብዙሕ ከምዘጸግማ ይሕበር ኣሎ።

በኣንጻሩ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ከምትርከብ’ዩ ዝጥቀስ። ብፍላይ ፈረንሳይ ንኣርጀንቲና ኣብ ዝገለፈትሉ ኣዝዩ ማራኺ ጸወታ ዘርኣየ ካይልያን ማፓፐን ኣብቲ ግጥም ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታትትን ኣብ ግምት ብምእታው: እታ ሃገራዊት ጋንታ ምስ ኡራጋይ ኣብ እትገብሮ ግጥም ክትዕወት ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩላ ኣሎ።

ይኹንምበር ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ድሕሪት: ብፍላይ ኣብ መስመር ምክልኻል ዘለዋ ክፍተት ኣሪማ እንተዘይቐሪባ: ከም ሉዊስ ስዋረዝ ንዝኣመሰሉ ኣዝዮም ምኩራት ኣጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጋይ ዳርጋ ሽሻይ ኮይና'ያ ካብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክትሰናበት።

ቅድመ-ግጥም ብራዚልን በልጅምን

ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣብ ነፍስ ወከፍ መድረኽ ግጥማ እናበርትዐት: እናተወሃሃደትን እናረሰነትን ዝምስገን ምንቅስቓስ እናርኣያ ካብ ዝመጻ ዘለዋ ተሳተፍቲ ዋንጫ ዓለም ሃገራውያን ጋንታታት ሓንቲ እያ።

ተጻወቲ ቤልጅም ኣብ ልምምድ
ተጻወቲ ቤልጅም ኣብ ልምምድ

ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል እቲ ዝበለጸን ማራኺን ምንቅስቓስ ዘርኣየትሉ ግጥም ዝሓለፈ ግዜ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሜክሲኮ ዝገበረቶ ግጥም'ዩ። ብፍላይ ነይማርን ምስ ድሒሩ ተቐይሩ ሜዳ ዝኣተወ ፈርሚኖ ንጸወታ ብምቁጽጻር ፡ ሃገራዊት ጋንታ ሜክሲኮ ዛጊት ክትጎስሞ ዘጸገማ ክልተ ብ ባዶ ብ ዝኾነ ውጽኢት ስዒሮም ንዓዳ ዘፋነውሉ ምንቅስቓስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል: ብሉጽ ምንባሩ ይዝከር።

ኣቐዲማ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣብዚ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ ናይ ፈለማ እግሪ ጸወታኣ ኣንጻር ስዊዘርላንድ ማዕረ ብዝኾነ ሓደ ብ ሓደ ውጽኢት ድሕሪ ምፍልላያ: እምበርከ እዛ ብራዚል ትበሃል ጋንታ ኣላ ድያ? ዝበሉ ወገናት ኔሮም።

ድሒሩ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ምድብ ግጥማታ ግን ንኮስታሪካን ሰርብያን ክልተ ብባዶ ስዒራ ሽማን ዝንኣን ክትዕቅብ ዝኸኣለት ትመስል። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣንጻር ሜክሲኮ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም: ሻቕሎት ሓያሎ ደገፍታ ዘህድአት ሃገራዊት ጋንታ ምዃና'ያ ኣመስኪራ።

ተጻወቲ ጋንታ ብራዚል
ተጻወቲ ጋንታ ብራዚል

ሃገራዊት ጋንታ በልጅም እንተርኢና ኣብ ናይ ምድብ ጸወታኣ ንሰለስቲአን ጋንታታት ማለት እንግሊዝ ቱኒዝያን ፓናማን ብምስዓር ምሉእ ትሽዓተ ነጥቢ ሒዛ ዝሓለፈት ጥራይ ዘይኮነት ምስ ፓናማን ቱንዝያን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ናይ ሰለስተ ሸቶ ጸብለልታ ዘለዎ ውጽኢት'ያ ኣመዝጊባ።

እዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ በልጅም መርኣያ ድልዳለኣን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዋን ዘረጋግጽ ምዃኑንዮም ብዙሓት ዝጠቕሱ። ናይ መወዳእታ ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዘሕለፋ ኣንጻር ጃፓን ዝገበረቶ ግጥም እሞ ካብ ክልተ ብ ባዶ ተመሪሓ ዝነበረትሉ ጸወታ ናብ ሰለስተ ብ ክልተ ተዓዊታ ክትወጽእ ምኽኣላ: ተወሳኺ መረጋገጺ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ትርከብ ምዃናዩ ዝሕበር።

ብተወሳኺ ማዕረ ክንደይ ህቡብ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ፈላኒ ዝርከቦም ተጻወቲ እታ ጋንታ: ተስፋ ከይቖረጹን ስኖም ነኺሶም ክሳብ መወዳእታ ናብ ዓወት እናቛመቱ ናይ ምጽዋት ፍሉይ ክእለት ከምዘለዎም ዘመስከሩሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ብሓፈሻ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት እንተርአና መወዳእታ ዝተራኸባሉ ኣብ 2002 ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክኸውን እንከሎ፤ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብራዚላውያን ሪቫልዶን ሮናልዶን ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት ብራዚል ምዕዋታ ይዝከር።

እቲ ዘይተመለሰ ሕቶ ሕጂ ብራዚል ክትደግሞ ክትኽእል ድያ እዩ። ብፍላይ ምስ ሰናፍ ዘይኮነን ኣብዝሓለፈ ኣንጻር ግጥም ጃፓን ዝተንጸባረቐን ስልቲ ጸወታ ቤልጅዩም: ብራዚል ነዚ ጽባሕ ዓርቢ ዝጽበያ ግጥም ኣነኣኢስኻ ዝረአ ከምዘይኮነ'ዩ ክፍለጥ ዝከኣል።

እዚ ይኹንምበር እቲ ሓቂ: ብራዚል ብፍላይ ካብ ግዜ ናብ ግዜን ካብ ጸወታ ናብ ጸወታን እናመቀረን እናረሰነንን ዝመጽእ ዘሎ ጸወታኦም ምስ ምሉእ ምሕዋይ ህቡብ ኣጥቃዒዓ ነይማር ተወሲኹ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሓያሎ ተንተንቲ ስፖርት: እዚ ጸወታ'ዚ ብራዚል ትዕወተሉ ግጥም ምዃኑ ዝጠራጠሩ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም።

ዋንጫ ዓለም ድሕሪ 56 ግጥማት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:10 0:00

XS
SM
MD
LG