ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም


ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ እዩ ። ኩነታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ነጻ ዝኾነ ምንቅስቃስ ሰብኣዊ ሓገዛት ክመዓራረ ኣተሓሳሲቦም ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ወርሒ ዘሎ ግጭት ዝተገብሩ ፈተነታት ዘይምስላጦም ህዝቢ ንዝበኣሰ ምግልታዓትን ፀበባን ምቕልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘተሓሳሰቦ ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሮም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቅልጡፍ ልዕልና ሕጊ ናብ ዝነበሮ ክምለስ:ሰብኣዊ መሰላት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበሩ ፣ ማሕበራዊ ርክባት ክዓስልን ኩለመዳይ ዕርቂ ክመፅእ ክስራሕ ከምዝግባእ ከምኡ'ውን ህዝቢ ኣገልግሎት ዝረኽበሎም ትካላት ከምሓዱሽ ተጣይሾም ነፃ ዝኾነ ምንቅስቃሳት ንወሃብቲ ሓገዝ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ ክፍቀድ ግድን ከምዝኾነ እዩ ዘብርህ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብናይ ርእሱ ተበግሶ ይገብሮም ንዘሎ ፃዕርታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝድግፎን ከምኡ'ውን በዚ ግጭት ንዝተመዛበሉን ኣብ ኣፅጋሚ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ሙሉእ ብሙሉእ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡን መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉን ዝሓበረ እቲ መግለፂ ብተመሳሳሊ ምስ ኣመሓደርቲ ክልልን ኣብቲ ባይታ ዝርከቡ ወኪላት ሕቡራት ሃገራት መልዕኽቶም በብእዋኑ ከመሓላለፉ ምጽንሑ ሓቢሩ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00


XS
SM
MD
LG