ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ተቓወምቲን ናይ ስለስተ ዓመት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ምስምማዖም ተገሊጹ


ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ተቓወምቲን ንናይ ስለስተ ዓመት መሰጋገሪ መንግስቲ ምስምማዖም ተገሊጹ።

ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ውድብ ንኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢን ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።እቲ ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ወገናት እቲ ናይ መሰጋገሪ እዋን ንሰለስተ ዓመታት ክጸንሕ ምስምማዖም ገሊጹ’ሎ።

ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል ኣጣ ተቃዋሚ ውድብ ክልተ ሲሶ ሓጋጊ አካል ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝሕዙ ካል ኦት አካል’ቲ ሕብረት ዘይኾነ ውድባት ድማ ነቲ ዝተረፈ ከምዝሕዙ ኣፍሊጦም ኣለው።

ገለ ተቓወምቲ እዚ ስጉምቲ ኣወንታዊ’ዩ ክብሉ ከለው ካልኦት ግን እቲ ምዕባለ ዝሕቱል ምዃኑ ይገልጹ ኣለው።

ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ምክልካል’ታ ሃገር ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ዘካይዱ ዘለው ዜጋታት’ታ ሃገር ግን ሕጂ’ውን ኣብ መርገጺኦም ጸኒዖም ኣለው።

ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ተኹሲ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ከምዝተሰምዐን ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ይፍለጥ። ይኹን ደአ እምበር ሰልፈኛታት ትማሊ ሶሉስ’ውን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞም ብምቕጻል ጎደናታት ዓጽዮም ውዒሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG