ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረጽቲ የጋጥሞ ንዘሎ ብድሆታት ኣፍሊጡ


ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ
ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ

ምዝገባ መረፅቲ ዝለዓለ ብድሆ ከምዘጋጠሞ ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ስእነት ሰላምን ናይ መጎዓዚያ ፀገማት ካልኦት ተጠቀስቲ ብድሆታት ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተቓዋሚ ፓርቲታት ዝወርድ ዘሎ ተፅዕኖ ንናይ ሕፁያት ምዝገባ ምዝሕታል ምኽኒያት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ተወካሊ ገዛኢ ፓርቲ ብዘጋጠመ ብማእሰርቲ ሕፁያት ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለው።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ምርጫ 2013 ከምዝወዳደሩ ምስ ዘፍለጡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ንምዝታይ ዝፀወዖ ኣኼባ ካብ መፋርቅ መጋቢት ጀሚሩ ስጋብ መፋርቅ ሚያዝያ ክሳለጥ እዩ ዝተባህለ ምዝገባ መረፅቲ ዝጠመተ ነይሩ ።

ብመሰረት መብርሂ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ: ምርጫ ክካየደሎም እዩ ተባሂሎም መደብ ካብ ዝተታሕዘሎም ከባቢ 50,000 ዝኾኑ ናቁጣታት ምርጫ ተኸፊቶም ስሩዕ መዝገባ መረፅቲ ዝጀመሩ 25,171 ጥራሕ እዮም። ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ስጋብ ሐዚ ምዝገባ መረፅቲ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ መራሕትን ሰብ ሞያ ምርጫን ኣፍሊጦም ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 200 ሽሕ ብዝተወሰነ ቁፅሪ ዝዛይድ መራፃይ ጥራሕ እዩ ተመዝጊቡ ።

​ንምዝገባ መረፅቲ ምድንጓይ እቲ ዝዓበይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝርከብ መጉዓዝያን ኣብታ ሃገር ዝረኣ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላምን ምዃኑ ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣብነት ጠቂሰን ገሊፀን ።

"ሓደ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብን ምብራቅን ወለጋ ፣ ሆሮጉድሩን ቄለምን በብእዋኑ ዝለዓሉ ጎንፅታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ ። ብምኳኑ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለወ ቦርድ ምርጫ ምንም ከምዘይተፈጥረ ወይ ፀገም ከምዘየለ ገይሩ ከይዲ ምርጫ ከካይድ ኣይኽእልን ኣይደልን 'ውን ። እዚ ማለት ስልጠና ምክያድ፣ ኣፈፀምቲ ምርጫ ናብቲ ቦታ ምልኣኽ ፣ ምክፍፋል ናውቲ ምርጫን ነቁጣ ምርጫ ምኽፋትን ዝብሉ ምንቅስቃሳት ይርከብዎም ።"

ተወዳደርቲ ውድባት'ውን ንምድንጓያት መዝገባ መረፅቲ ምኽንያት እዮም ዝበልዎም ፀገማት ኣብቲ መድረኽ ኣቅሪቦም ነይሮም ።ብፍላይ ካብ መንግስቲ ፌደራል ወፃኢ ብዘለዉ መሓዉራት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ ፓርትታት ዝፍፅምዎም ተግባራት ማእሰርትን ምፍርራሓትን ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ድልየት መረፅቲ ከምዘዘሓሓሎ ኣባላት ዝተፈላለዩ ፓርትታት ገሊፆም ።

በዚ ሓሳብ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ 'ውን ይሰማምዓ ። "እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀንዲ ዓንዲ ምርጫ ዘነፃፀረ እዩ ።ማእሰርትን ምክልባትን ሕፁያት ተወዳደርቲ ውድባት ካብኣቶም ሓሊፉ ኣብቲ መራፃይ 'ውን ድምፀይ ኣይቁፀርን ድምፀይ ኣይስማዕን ዝብል ስግኣት ስለዝፈጥር ክኸውን ኣይነበሮን ። ይኹን 'ምበር ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ክእረም ቅልጡፍ ምላሽ ንዝሃቡና ኣካላት ከነመስግኖም ይፈቱ" ኢለን።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ፓርቲ ብናልፍ ኣንዱኣለም ፓርቲኦም እዚ ምርጫ በቲ ዝተተለመሉ እዋን ክሳለጥ ዘለዎ ድልየት ገሊፆም። ነቲ አጋጢሙ ዝተባህለ ፀገም ንምፍታሕ ፓርቲኦምን መንግስቶምን ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሮም ።

ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ ፓርቲታት ይበፅሕ ኣሎ ንዝተባህለ በደል ብሽም ውድቦም ይቅሬታ ይሓትት ኢሎም ።

"ምስ ምእሳር ተወዳደርቲ ፓርቲታት ተአሳሲሩ ዝተላዕለ ሓሳብ ኣነ ብውልቀይ የሕፍረኒ እዩ።ፈፂሙ ክኸውን ዘይነበሮ ተግባር እዩ። ዋላ ንፍርቂ መዓልቲ'ውን ክእሰሩ የብሎምን ዓብዪ ጥፍአት እዩ ኢልና ኢና ንኣምን በዚ ኣጋጣሚ ይቅሬታ ክሓትት ይደሊ ። ደጊሙ ክፍፀም ዘይግበኦ እዩ።"

ተወዳደርቲ ውድባት ብፍላይ ንምድንጓይ ምዝገባ መረፅቲ ፍታሕ ክኾኑ እዮም ዝበልዎም ሓሳባት ኣቅሪቦም ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ'ውን ኣብቶም ዝቀረቡ ሓሳባት ተሞርኪሱ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምልዋጥ ከምዝሰርሕን ገምጋማቱ ድማ ናብ ህዝቢ ከምዘቅርብ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት ሓቢረን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG