ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ምርጫ ናይጀርያ ተዓዋቲ ይገልጽ፤ ተቓወምቲ ግን ነቲ ውጽኢት ከምዝሙጉቱ ይገልጹ


ኮሚሽን ምርጫ ናይጀርያ፡ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዃኑ ኣዊጁ`ሎ።

ክልተ ዓበይቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን፡ ውጽኢት ምርጫ ምድንጋር ዝነበሮ`ዩ ብምባል ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝከራኸሩ ኣሰሚዖም ኣለዉ።

ቲኑቡ ብወገኑ፡ እቶም ተቓወምቲ ንሰላም ክቕበሉን ምስኡ ብሓባር ክሰርሑን ጸዊዕዎም ኣሎ።

ከንቲባ ሌጎስ ሕጂ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ናይጀርያ ደይቡ`ሎ። ቦላ ቲኑቡ ካብ ኣስታት 9-ሚልየን ድምጺ 37% ብምርካብ ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኮይኑ`ሎ።

ቅድሚኡ ዝነበረ ማሕማዱ ቡሓሪ ክልተ ግዜ ስለዘገልገለ ብመሰረት ቅዋም`ታ ሃገር ካብ ምርጫ ተኣልዩ`ሎ።ቡሓሪ ሰፊሕ ከቢድ ናይ ጸጥታን ቁጠባዊን ጸገማትን ከምዘሕለፈ ይፍለጥ።ገለ ነበርቲ ኣቡጃ እንተኾነ ሕጂ`ውን ዝተጸበናዮ ሓዲሽ ተስፋ ኣይኮነን ኣጋጢሙ ዘሎ ይብሉ።

ኣዳ ፍረደሪክ ደጋፊ ተቓወምቲ`ዩ ከምዚ ይብል።"ዝሓለፈ ቀዳም 25 ለካቲት ንእንመርጾ ሰብ ድምጽና ሂብና ኢና። ግን ንቲኑቡ ኣየድመጽናን።"

ኦቢ ኢሊክዋ ዝተባህለት ካልእ ነባሪት "ደቀንስትዮ ኣብ ሕርሻ ክዋፈራ ኣይክእላን`የን ዘለዋ። ኣብ ዕዳጋ መግቢ የለን፡ ናይጀርያውያን ይጠምዩ ኣለዉ” ትብል።

ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ከምኡ ድማ ለይበርፓርቲ ዝተባህሉ ክልተ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ብዙሓት ዝተመዝገቡ ናይጀርያውያን ከድምጹ ዕድል ኣይረኸቡን ብዝብል ንውጽኢት ምርጫ ናይጀርያ ክንማጎተሉ ኢና ይብሉ`ለዉ።

ተዓዘብቲ ምርጫ`ውን እቲ ቀዳም ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሃጓፋት ከምዝነበሮ ይሕብሩ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቀረባ ዝተኣታተወ ሓዲሽ መሰራሕታት ምርጫ ቴክኒካል ጸገማት ኔርዎ ይብሉ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይጀርያ ግን፡ ሽሕ`ኳ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ዘሕዝን እንተኾነ፡ ኮነ ተባሂሉ ድምጺ ንምድንጋር ዝተገብረ ፈተነ ኣይነበረን ኢሉ`ሎ።

ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ለይበር ፓርቲ ፒተር ኦቢ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኔሩ።"ንህዝቢ ናይጀርያ ክነረጋግጾ ንደሊ፡ ግቡእና ንምርካብ ኩሉ ሕጋውን ሰለማውን ኣማራጽታት ክንድህስስ ኢና። ኣብቲ ምርጫ ተዓዊትና ኢና ፡ምዕዋትና ድማ ንህዝቢ ናይጀርያ ክነረጋግጸሉ ኢና።"

ተዓዋቲ ምርጫ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ብወገኑ፡ ንሓድነት ብምጽዋዕ ተቓወምቲ ምስኡ ክሰርሑ ከምዝደልዮም ኣፍሊጡ`ሎ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት ናይጀርያ እቲ ምርጫ ክድገም ይደልዩ፡ ፖለቲካዊ ተንተንቲ ግን ከምኡ ዝክኣል፡ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ክቕይር ዝኽእል እኹል ድምጺ ከምዝተደናገረ ከረጋግጹ እንተኽኢሎም ጥራሕ'ዩ ይብሉ።

ክኢላታት እቲ ሓዲሽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሕጂ ነታ ሃገር ንምምሕዳር ከቢድ ብድሆታት ይጽበዮ`ሎ ይብሉ ።

ናይጀርያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ምስ ኣኽረርቲ እስልምናን ምስ ዕጡቓት ጨወይቲን ትዋጋእ`ያ ዘላ፡ ቁጠባኣ`ውን ብልዑል ዝቕባበ፡ ሕጽረት ነዳድን ሸርፊ ወጻእን ይሳቐ`ሎ።

((ጢሞጥይ ዖቢአዙ ፎር ቭዖዓ ኘውስ ዓቡጃ ኚገሪኣ))

XS
SM
MD
LG