ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦላ ቲኑቡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ኮይኖም ተመሪጾም


አብ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀርያ ዝተሳተፉ ቦላ ቲኑቡ ኣሕመድ ከም ዝተዓወቱ፡ ሃገራዊ ኮምሽን ምርጫ’ታ ሃገር ሎሚ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ኮምሽን ዝዘርገሖ መግለጺ ቲኑቡ 37% ብምርካብ ከምዝተዓወቱ፣ መወዳድርቶም ኣቲኩ ኣቡበከር ድማ 29% ድምጺ ምርካቦም ይሕብር።

70-ዓመት ዝዕድሚኦም ቦላ ቲኑቡ፣ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሌጎስ ዝነበሩ ኣባል ኮንግረስ ፓርቲ ምኻኖም ይፍለጥ።

ንሶም ድሕሪ ዓወቶም አብ ዘስምዕዎ መደረ ናብ ተቓወምቶም ዘቐነዐ ዝመሰል ቃል ኣቃሊሖም ኣለዉ። እቶም ሓድሽ ፕረዚደንት ንሕብረትን ዕርቂን ከም ዝሰርሑ ገሊጾም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG