ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ሶማል ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ክልል ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ምጥቃሞም ኣሚኑ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ጉርሱም ከተማ ቦምባስ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ፈፂሞም ክብል ትማሊ ንዘውፅኦ መግለፂ ሓቅነት ኣለዎ ክብል እቲ ክልል ተቐቢሉዎ።

ፈፀምቲ ናይቲ ፍጻመ ንሕጊ ኣይቀረቡን ዝብል ግን ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ኣድላይ ዝብሃል ምፅራይ ይውሰድ ከምዘሎ እውን እቲ ክልል ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ 11ን 12ን መጋቢት 2014 ኣባላት ኣኪሾ ዝተባህሉ ነገድ ብባህላዊ ኣገባብ መራሒኦም ንምምራፅ ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ምርጫ ደው ክብል ዝሓተቱ ሓይልታት ፀጥታን ደው ኣይነብልን ዝበሉ ነበርትን ብዝተፈጥረ ግጭት 12 ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎም ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG