ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ብዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታን 11 ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ


drought region in somalia region ethiopia
drought region in somalia region ethiopia

ኣብ ክልል ሶማልያ ከተማ ቦምባስ ዝሓለፈ መጋቢት 11 12 ኣቆጻጽራ ዕለት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ጸጥታ ክልልን ዝዓጠቑ ውልቀሰባትን ብዝተወስደ ካብ መጠን ዝሓለፈ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ 11 ሰባት ከም ዝሞቱን ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ግጭት ዘጋጠመ ባህላዊ መራሒ እንዳ ማለት ሱልጣን ንምምራጽ ኣብ መንጎ ዝተኣከቡ ሰባትን ኣካላት ጸጥታን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ኢሰመኮ ሓቢሩ`ሎ።

ንቤተሰብ መወትን ጉድኣት ንዝወረዶምን ካሕሳ እንተተኸፍለ`ኳ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ግን ተሓተቲ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል። ብዛዕባ`ዚ ካብ ክልል ሶማልያ ዛጊት ሓበረታ ኣይተረኽበን ይብል ጸብጻብ ከነዲ ኣባተ።

XS
SM
MD
LG