ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት ይምልሱ


ኣብ ደቡባዊ ማእከል ትግራይ ሰባት ካብ ዕዳጋ እንዳተመለሱ ዝተወስደ -ፋይል
ኣብ ደቡባዊ ማእከል ትግራይ ሰባት ካብ ዕዳጋ እንዳተመለሱ ዝተወስደ -ፋይል

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ዝዀነ ጸብጻብ ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ።

ነተን ክልተ ትካላት ንዝገበረኦ ፈተነ ብምምስጋን ዝጀመረ መግለጺ፡ እቲ ውጽኢት ግን “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፡ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ኣብ ኣተኣኻኽባኡ ድማ መሰረታዊ ስሕተት ዘለዎን” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ዝወረደ ዕንወት፡ ንመሬት ኣምሓራ ካብ ፈለማ 1990ታት ኣትሒዙ ብምሓዝ ግፍዒ ከውርድ ዝጸንሐ መሪሕነት ህወሓት’ዩ ክብል ድማ ከሲሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ዓርቢ ኣማስያኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ድሕሪ ምምጓስ፡ እቲ ክልል ካብ ብሸዓኡ ናጻ ምጽራይ ንምግባር ክጽውዕ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ኣርባዕተ ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ ከም ዝጠቕሶ፡ ኣቐዲሙ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተገበረ መጽናዕቲ ነቲ ዝተገብረ ግፍዒ ንምሽፋን ምዃኑ የመልክት። እቲ መግለጺ ወሲኹ ድማ፡ ናጻ ኣጻራዪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክምዝዝ ደጋጊሙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ነዚ ክንድዚ ዝመስል ርኽበታት ንምምርማር ምዃኑ ሓቢሩ። ሕጂ’ውን ንዝያዳ ዘይሻራዊ ምጽራይ ዝጸውዐ መግለጺ፡ ክንዮ ምዅናን ዝኸይድ ቅልጡፍ ስጕምቲን ምልዓል ዕጽዋን ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

XS
SM
MD
LG