ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዘርኢኹም ካብዚ ቦታ ከነጥፍኦ ኢና፤” ተሓለቕቲ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግፍዒ ጸብጻብ ኣውጺአን


ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ሓገዝ መግቢ ናብ ዝወሃበሉ ከባቢ ኣብ ዝጉዓዝሉ ዝነበረ ዝተወስደ - ፋይል ግንቦት 8, 2021
ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ሓገዝ መግቢ ናብ ዝወሃበሉ ከባቢ ኣብ ዝጉዓዝሉ ዝነበረ ዝተወስደ - ፋይል ግንቦት 8, 2021

ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበሉዎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ግህሰት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ትካላት ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ነቲ መጽናዕቲ ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ መጋቢት 2022 ከም ዘካየድዩዎ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው፡ ን427 ዜጋታት ከም ዝሓተቱ’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።

እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ወልቃይትን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ሰፊሕ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምዝራፍን ምቅጻልን ንብረት፡ ምብስባስ፡ መሬቶም ገዲፎም ንጎረቤት ሃገር ክስደዱ ምድፋእን ካልእ ግፍዕታትን ከም ዝፈጸሙ ይጠቅስ። ተወላዶ ትግራይ ኣብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ቋንቋኦም ንምዝራብ’ውን ከም ዝተኸልከሉ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ንኽሰድዱ መታን እቲ ዘለዎም ሃብቲ’ውን ከይጥቀሙሉ ከም ዝተኸልከሉን ኰነ ኢልካ ጠምዮም ናብ ካልእ ቦታታት ክግዕዙ ከም ዝተገብሩን የመልክት። እቲ ጸብጻብ ንዕኡ ንምትግባር ድማ ክሳብ መጓዓዓዚ መካይን’ውን ተዳልዩሎም ይብል ።

ብሰንኪ’ቲ ዝወረዶም ከበድቲ ጥሕሰታት፡ ሓያሎ ተጋሩ ክስደዱ እኳ እንተ ተገደዱ፡ እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ከም ዘምልክቶ ግን፡ ነቶም ዝተረፉ’ውን ብፍሉይ ንዕኣቶም ዝዓለመ ኣተሓሓዛ ከም ዝግበረሎም ይሕብር።

ጸብጻብ ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን፡ እቲ ዝተኻየደ ግፍዕታት ደይ-መደይ ኢልካን ብስርዓትን ዝተፈጸመ ከም ምዃኑ መጠን ምስ ገበናት ኲናትን ምጥፋእ ዓሌትን ከም ዝምደብ ይጠቅስ።

ጸብጻብ ተሓለቕቲ ትካላት ቀንዲ ፈጸምቲ ግፍዒ ኢሉ ዘቐመጦም ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ክልል ኣምሓራን ደኣ ይዅኑ’ምበር፡ ሰራዊት ፈደራል’ውን ነቲ ግህሰት ደው ንኽብል ብዘይ ምኽኣሎም ብምትሕብባር ገበን ወንጂሉዎ ኣሎ።

ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብቲ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታት በብመድረኹ ፈላልዮም ኣቐሚጦሞ ኣለዉ። ፈለማ እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ 4 ጥቅምቲ 2020 ንነባሮ ምዕራባዊ ትግራይ ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ፡ ን10 መዓልታት ዝቐጸለ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም። ቀጺሉ ከኣ ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ብ9 ጥቅምቲ፡ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ግብረ-መልሲ ብምሃብ ኣብ ማይ-ካድራ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ወሲዶም። ነቲ ብወገን ሚሊሻ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝመለሱ ዕጡቓት ሚሊሻ ኣምሓራ’ውን ስለ ዝመለሱ ብድምሩ ካብ ክልቲኡ ወገናት 229 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ 100 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ይጠቅስ። ኣብ ማይ-ካድራ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ድምር-ውጽኢት ናይቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ምዃኑ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ነቲ ዝቐጸለ መግሃስታት ነዳዲ ከም ዝወሰኸሉ ኣመልኪቱ።

ኲናት ጀሚሩ፡ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ሓድሽ ምምሕዳር ድሕሪ ምጥያሱ፡ ንተጋሩ ብፍሉይ ዝዓለመ ምጕስቓልን ጃምላዊ ቅትለን ምቕጻሉ እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ተጋሩ መሬቶም ገዲፎም ንኽሰደዱ ምግዳድ፡ ንሓያሎ’ውን ብጃምላ ቀቲሎም ኣብ ፈለግ ተከዘ ከም ዝደርበዩዎም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ጸብጻብ ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ መወዳእታ ካብ ዝሃቦ ለበዋታት፡ ቅልጡፍን ዘይሻራዊን ምጽራይ ንኽግበር ክጽውዕ እንከሎ፡ ከም ኣማራጺ’ውን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ደው ንምባል፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ክኣቱ መኺሩ ኣሎ። ንሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን’ውን ንፈጸምቲ በድል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብን ውሕሰነት ዜጋታት ዝረጋገጸሉ መገዲ ከነዲዩ ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ብኽልተ ተሓለቕቲ ትካላት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ክልል ኣምሓራ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ብምሉእ ነጺጉ “መሰረት-ኣልቦ’”ዩ ክብል መሊሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣማስያኡ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ነቲ ኣብ ወልቃይት ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ብቐረባ ክከታተሎ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንፈጸምቲ ግፍዒ ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ። “እንተዀነ” ይብል እቲ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ብምዃኑ ብናይ ደገ ኣካላት ክተሓዝ ከም ዘይብሉ ከመልክት እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ቃና ከይወሃቦ ስክፍታኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ፈደራላዊ መንግስቲ፡ እቲ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ካብ ሓደ ብሄር ወገን ዝተኣከበ ብምዃኑ ዓቢ ክፍተት ከም ዘለዎ ነቒፉ። ንወተሃደራት መንግስቲ ዘይግበኦም ስእሊ ከም ዝሃቦም’ውን ሓቢሩ ኣሎ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጸብጻብ ዝወጸሉ እዋን፡ ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንምብጻሕ ይስርሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብምዃኑ ከየጠምዝዞ ስክፍታ ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

እዚ ጸብጻብ ብመሰረት ሪፖርት ኣምንስቲን ህዩማን ራይት ዎችን ዝተዳለወ'ዩ።

Recommended

XS
SM
MD
LG