ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቶሊካዊ ጳጳስ ኤርትራ ሰበኻ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም


ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ
ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ካብ ናይ ኣውሮጳ መገሻ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ "ትድለዩ ኣለኹም" ተባሂሎም ዝተወስዱን፡ ዝነበርዎ ቦታ`ውን ብንጹር ከይተፈልጠ ዝጸንሐን ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ፡ ሎሚ ረቡዕ 28 ታሕሳስ 2022 ተፈቲሖም ናብ ቁምስንኦም ከም ዝተመልሱ፡ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ምስኦም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተኣስሩ ቆመስ ሰገነይቲ ኣባ ምሕረተኣብ እስቲፋኖስ`ውን ምስኦም ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ`ሎ።

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ሰባኻታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓንቲ ንዝኾነት ሰበኻ ሰገነይቲ ዝመርሑ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን ፡ሰበኻ ባረንቱ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ብዛዕባ ኩነታት ማእሰርቲ ኮነ ምፍታሕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን።

XS
SM
MD
LG