ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቶሊካዊ ጳጳስ ኤርትራ ሰበኻ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ብሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት


ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ
ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኣብ ኤውሮጳ መገሻ ጌሮም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ፡ ብቐዳም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ "ትድለዩ ኣለኹም" ተባሂሎም ከም ዝተወስዱን፡ ዘለውዎ ቦታ`ውን ብንጹር ከም ዘይፍለጥን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣቡነ ፍቕረማርያም ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ሰባኻታት ሓንቲ ንዝኾነት ሰበኻ ሰገነይቲ ዝመርሑ ክኾኑ ከለዉ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን ሰበኻ ባረንቱ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ብዛዕባ ኩነታት ማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተባህለ ነገር የለን። ድምጺ ኣመሪካ ንማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብናጻ ምንጭታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

XS
SM
MD
LG