ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመሪቑ ኣብ ስራሕ ምጽራግ ሳእኒ ዝተዋፈረ ጻዕራም መንእሰይ


ገብረኪዳን ገብረመድህን ድሕሪ ብድግሪ ምምራቁ ኣብ ምፅራግ ሳእኒ ዝተዋፈረ ፃዕራም መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ገብረኪዳን ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ተወሊዱ ኣብ ፈረስማይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ተማሂሩ። 11ን 12 ክፍሊ ኣብ እንትጮ ድሕሪ ምምሃሩ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣምሪሑ።

መንእሰይ ገብረኪዳን ብፀገም እናተምሃረ ዝዓበየ ኣብ ገዛ ከም ሰብኣይን ውልዱን ኮይኑ ናብራ ብምምራሕ ንወላዲቱ ዝሕግዝ ህርኩት መንእሰይ እዩ። ድሕሪ ሓያል ፃዕሪ ካብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ብዓውዲ ጅኦሎጂ ብድግሪ ተመሪቑ ኣብ ምፅራግ ሳእኒ ተዋፊሩ ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ።

ምስ መንእሰይ ገብረኪዳን ዝገበርኩዎ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

XS
SM
MD
LG