ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕ/ሃ ብዘይፍቓዶም ዝተወስዱ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ


ፋይል (ሮይተርስ)
ፋይል (ሮይተርስ)

ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ‘ሻርዕ መጠር’ ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ማለት UNHCR ካብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ 20 ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተወስዱ ይገልጹ።

እቶም ስደተኛታት ክዳውንቶም ኮነ ንብረቶም ከይሓዙ ናብቲ ቦታ ምምጽኦምን ሕጽረት መግብን ዝስተ ማይን ከምዘሎም ይሕብሩ።

ብዘይካ'ዚ ቅድሚ ስለስተ መዓልታት 20 ጽምዲ ሰብ ሓዳር ካብ ‘ሻርዕ መጣር’ ናብቲ ቦታ ከምዝመጹ እቶም ስደተኛታት ብተወሳኺ ይሕብሩ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ንበይነይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ብምህላወን ክንረኽበን ኣይከአልናን።

ኣብቲ ቦታ ዘለው ክልተ ስደተኛታት ንኹነታቶም ብዝምልከት ብሕቡእ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG