ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2023 ብምዃን ተዓዊቱ


ካብ 8 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ኣብ ኣክራ-ጋና ክቃናዕ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ሎሚ ሰኑይ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ፡ 120 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ኣብ መወዳእታ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ዝሰዓረ ሄኖክ፡ ንኻልኣይ እዋን ኣከታቲሉ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ። ዓሚ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ’ውን ሄኖክ ምሉእብርሃን ብተመሳሳሊ ተዓዋታይ’ዩ ነይሩ።

ኤርትራ ካብ 2010 ኣትሒዛ ነዚ ውድድር ክትዓወትሉ ጸኒሓ’ያ። በዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዓወት ድማ ክብራ ዓቂባ ኣላ።

ኣብዚ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀሪያ ካልኣይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ሞሮኮ ድማ ሳልሰይቲ ተሰሪዓ ኣላ።

XS
SM
MD
LG