ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቕ ምስ ዕውታት ቅድድም ብሽክለታ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን


ቃለ መጠይቕ ምስ ዕውታት ቅድድም ብሽክለታ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00

ቃለ መጠይቕ ምስ ዕውታት ቅድድም ብሽክለታ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን

ጎብለል ኣፍሪቃ 2022 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣብ ቤልጁም ዝተኻየደ አካል ዎርልድ ቱር ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቀዳማይ ዝወጸ ቢንያም ግርማይን ድሙቕ ሎሚ ረቡዕ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም።

ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ኣብ ምስሪ ሻርም ኣሽኽ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብ15 መዳልያታት ጎብለል ኮይና ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብል ተጌሩላ። ስፖርተኛታት፡ ተማሃሮን ነበርቲ ኣስመራን ከኣ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ንሃገራዊት ጋንትኦም ዘለዎም ክብርን ሓጎሶምን ብእልልታን ጣቕዒትን ገሊጾም።

ሰንበት 27 መጋቢት ኣብ በልጅየም ኣብ ዝተኻየደ ዎርልድ ቱር ናይ ወርቂ ተሸላሚ ብምኳን ናይ ፈለማ ታሪኽ ዘመዝገበ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ’ውን ምስ ሃገራዊ ጋንት ኤርትራ ኣስመራ ኣትዩ’ሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ነቲ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቢንያም ግርማይን ዕውት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣዘራሪብዎም ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG