ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ ካብ ጓል ስደተኛታት ናብ ተሓባበሪት ዲን ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ


ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ ካብ ጓል ስደተኛታት ናብ ተሓባበሪት ዲን ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:10 0:00

ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ ካብ ጓል ስደተኛታት ናብ ተሓባበሪት ዲን ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ

ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ተወሊዳ፡ ብህጻንነታ ኣብ በበይኑ ሃገራት ድሕሪ ምቕማጥ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ቦስተን ኣመሪካ ዝተማህረት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ፡ ኣብ ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ቢዝነስ ላዕለወይቲ ተሓባባሪት ዲና’ያ። ዳይረክተር ማእከል ስልጠናን ትምህርቲን እቲ ኮለጅ’ውን ዝኾነት ፕሮፈሰር ጸዳል፡ ሓንቲ ብፍቕዲ ኣጻብዕቲ ዝቝጸራ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ላዕለዋይ ትምህርቲ ካብ ዝበጽሓ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ደቀንስትዮኢያ። ንድሕረ-ባይታንኣን ናብዚ ደረጃ ዘብጽሓ ጽልዋን ኣመልኪትና ቃለ-መሕተት ኣካዪድናላ ኣሎና።

ሕቶ፤ ኣብ መጨረሽታ እንቋዕ ክንራኸብ በቓዕና ፕሮፈሰር ጸዳል፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኺ፡ ጽልዋኺን ስራሕኪን ሓፈሻዊ ሕቶታት’ዩ ዘሎኒ። መጀመሪ ክኾነና ግን ኣበይ ተወሊድኪን ዓቢኽን እንተ ትሕብርኒ፧

መልሲ፤ ንስለ ዕድመኻ ኣዝየ አመስግንን፡ ምስ ሰማዕትኹምን ተዓዘብትኹምን ምርኻበይን ሓጎስ እስመዓኒ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ተወሊደ። ድሕሪኡ ጓል ኣርባዕተ/ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮንኩ ስድራይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይግዕዙ ነይሮም። ገለ ካብኣተን ኩዌት፡ ኬንያን’የን። ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ቦስቶን ኣመሪካ ዓሪፎም። እዚ ምናልባት ቅድሚ 35 ዓመታት ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ ኣብ ቦስቶን’የ ዓብየ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካምብሪጅ ኣብ ዝብሃል ከተማ ኣብ ማሳሱተች ተማሂረ።

ሕቶ፤ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ’ኸ ንዩኒቨርስቲን ካልእ ላዕለዋይ ትምህርቲን ናበይ ቀጺልኪ፧

መልሲ፤ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ናብ ቦስተን ኮለጅ፡ ኣብ ሓደ ናይ ጀዝዉት ቤት ትምህርቲ’የ ቀጺለ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣቦይ ኣብ 1950ታት ናይ ድሕረ-ምርቓ (ማስተርስ) ብምምሕዳር ቢዝነስ (MBA) ዝተማህረሉ’ዩ። ስለዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ስድራይ ዝተማህሩሉ’ዩ።

ሓደ ምዝካር ዘድልዮ ድማ ገና ጓል 15 ዓመት ከለኹ’የ ኮለጅ ጀሚረ። ስለዚ ኣዝየ ንእሽቶ’ውን ስለ ዝነበርኩ፡ ስድራይ፡ ብዘይካ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ተመሃሪት ጽቡቕ ጽልዋ ከሕድረላ’ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎም። ስለዚ ብቤት ትምህርቲን ብዓይኒ ክገብረለይ ዝኽእል ናይ ስነ-ምግባር ምኹስኳስን’ዮም ጠሚቶሞ። ብሓፈሻ ጽቡቕ ተመኵሮ ህይወት’ዩ ነይሩ።

ሕቶ፤ ኣቦኺ ኣቐዲሞም ኣብ ኣመሪካ መጺኦም ናይ ትምህርቲ ምሕደራ ከም ዝተማህሩ’ውን ጠቒስኪ ጸኒሕኪ’ሞ ብዛዕባ ስድራኺ እስከ ቍሩብ ንገርኒ።

መልሲ፤ ብዛዕባ ስድራይ ክዛረብ ቃላት እሓጽረኒ። ኣቦይ ናይ ኤምቢኤ(MBA) ትምህርቱ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ’ውን ጀሚሩ ነይሩ። ንዕኡ ኣቋሪጹ ግን ናቱ ንግዲ ከፊቱ፡ ወትሩ ድማ ኣብ ናይ ውልቁ ስራሕ’ዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ኣብ ንኣሽቱ ትካላት ከም ድኳን ወይ ካልእ ንግዳዊ ስራሓት፡ ወይ ድማ ከም ገዛውቲ ምሻጥን ምግዛእን ወዘተ ይዋፈር ነይሩ። ኣደይ ከኣ ኣዝያ ንፍዕቲ፡ ሓላዪትን ክኢላን ሰብ’ያ። ቀዳማይን ናይ ድሕረ-ምረቓን (ማስተርስ) ትምህርቲ ኣለዋ። ብቐንዱ ስድራይ ተመሃሮ ናይ ፉል-ብራይት (Fullbright) ማህደረ-ትምህርቲ እንከለዉ’ዮም ኣብ ኔዘርላንድስ ተራኺቦምን ተላልዮምን። ኣብኡ ተፋቒሮም፡ ድሕሪኡ ንዓዲ ተመሊሶም፡ ኣብ 1960ታት ተመርዕዮም።

ብድምሩ ዕድለኛ ሰብ’የ ክብለካ እኽእል። ብዙሓት ደቀንስትዮ ስሩዕ ትምህርቲ ይወስዳሉ ኣብ ዘየነበራ እዋን፡ ኣደይ ግን ናይ ማስተርስ ትምህርቲ’ውን ነይሩዋ። ኣብ ስድራይ ከኣ ትምህርቲ ወትሩ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ትምህርተይ ከም ዝቕጽል ካብ ፈለማኡ ንጹር መስመር’ዩ ነይሩ።

ሕቶ፤ ክንደይ የሕዋት ኣለዉኺ፧

መልሲ፤ ሰለስተ ኣሕዋት ኢና። ኣብ መንጎና ብዙሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ የሎን፡ እታ ሓንቲ ብኽልተ እታ ሓንቲ ድማ ብኣርባዕተ ዓመታት’የን ዝዓብያኒ። ሓንቲ ሓብተይ ኣብ ጆርጂያ ትነብር፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ቦስቶን ምስ ስድራይ ኣላ።

ሕቶ፤ ኣብ ኮለጅ እንታይ ዓውደ-ትምህርቲ ኣጽኒዕኪ፧

መልሲ፤ እወ፦ መራኽቢታት’የ ተመሂረ። ናይ ስራሕ ተመኵሮ ህይወተይ እንተ ተዓዚብካ’ውን ወትሩ ምስ መራኸቢታት፡ ምብህሃል፡ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስራሕን ወዘተን ዝተኣሳሰረ’ዩ። ናይ ንግዲ (ማርከቲንግ) ትምህርቲ’ውን እወስድ ነይረ። ሽዕኡ ኣይጎራሕኩን እምበር፡ ካልኣይ ዲግሪ’ውን ብእኡ ምግበርኩ። እዚ ግን እናሓደረ ክጠቕመኒ ጀሚሩ’ዩ።

ስነ-ርክብ ከም ምምሃረይ መጠን ግን ወትሩ ብርክባትን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምስ ተደነቕኩ’የ። ሰብ ከመይ ይበሃሃልን ይወሃሃድን ይዓጅበኒ።

ሕቶ፤ እዚ እዋን መዓስ’ዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ጓል ክንደይ ዓመት ኔርኪ ኣብቲ እዋን፧

መልሲ፤ ዘደንጹ’ዩ። ጓል 15 ትምህርቲ ኮለጅ ጀሚረ፡ ጓል 19 ድማ ወዲአ። እዚ ግን ኣብ ደቀይ ክድገም ኣይደልዮን’የ። ቀስ ኢሎም ብግዚኦም ክውድኡ’የ ዝደፍኦም ዘለኹ። ናብ ኮለጅ ክኣቱ ከለኹ ናይ ትምህርቲ ብስለትን ቅሩብነትን ነይሩኒ። ብኻልእ ማሕበራዊ ህይወትን ተመኵሮን ግን ምናልባት ከምቲ ዝደል ገስጋስ ኣይነበረንን። ብእኡ ስለ ዝተሻቐለ ከኣ’ዩ መስለኒ ኣቦይ ናብቲ ናይ ጀዝዊት ኮለጅ ቦስተን ዝሰደደኒ።

ንኮለጅ ክኣቱ ከለኹ፡ ስድራይ ዘቐመጡዎ ቅድመ-ኵነት ነይሩ። ካብቲ ዝነበረናዮ ክፍሊ-ሃገር (ማሳሱተች) ወጻኢ ክመሃር ኣይፈቐዱን። ኣብ ናይ ጀዝዊት ቤት ትምህርቲ ክመሃር ከኣ ድሌት ነይሩዎም። ስለዚ ኮለጅ ቦስቶን ንዅሉ ድሌታቶም እተማልእ ኰይና ጸኒሓ።

ሕቶ፤ ድሕሪኡ ንናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ንዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ኢኺ ቀጺልኪ። ኣብ መንጎ ግን ትሰርሒ ኔርኪ ዲኺ፧ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ዝነበረ ግዜ ክትነግርኒ፧

መልሲ፤ ብዙሕ’ዩ ኮይኑ። ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምርካበይ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ንስድራይ ናቶም ትካል ከቝሙ ተሓጋጊዘን ኣብኡ ነጢፈን። ሕሳባት ኣብ ምጽፋፍ፡ ዘድሊ ቀረባት ኣብ ምምጻእን ካልእ ንጥፈታትን እሰርሕ ነይረ። ብሓቂ ጽቡቕ እዋን’የ የሕሊፈ። ምስ ኣቦይ ብቐረባ ግዜ ከሕልፍ ድማ ዕድል ፈጢሩለይ። ድሕሪኡ ሓደ ነገር ኣጓኒፉ። ኣብ ቦስተን ኮለጅ መምህረይ ዝነበረ ሰብ ቴለፎን ደዊሉ፡ ናብ ድሕረ፡ምርቓ ትምህርቲ ተመልክቲ’ዶ ኣለኺ፧ ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣይተጸበኹዎን፡ ሓንጎለይ’ውን ንዕኡ ቅሩብ ኣይነበረን። ራልፍ ኤድዋርድስ’ዩ ዝብሃል ስሙ። “ንስኺ ናብ ካልኣይ ዲግሪ ክትቅጽሊ ዘለኪ ሰብ ኢኺ። ኣድራሻ ናይ ገዛኺ ስደድለይ እሞ፡ ናብተን ከተመልክተለን እትኽእሊ ኣብየተ-ትምህርቲ ዝርዝር ክሰደልኪ’የ፡” ኢሉኒ። ናይ ሰለስተ ዩኒቨርስታት ሰዲዱለይ። ናይ ስነ-ኣእምሮ መደብ ትምህርታዊ ምዕባለ ዝብል ዓውዲ ርእየስ ደስ ኢሉኒ፡ ናብኡ ድማ ኣመልኪተ። ኣይተጸበኹዎን ግን ሰለስቲአን ዩኒቨርስታት ተቐቢለናኒ። ሓንቲ ካብኣተን ሃርቫርድ’ያ። ስለዚ ናይ ማስተርስ ትምህርተይ ብሁማን ደቨሎፕመንት ሳይኮሎጂ ወዲአ።

ድሕሪ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ምውደአይ ንዓስርተ ዓመታት፡ ኣብ በበይኑ ትካላት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሰሪሐ። ሓንቲ ካብ ኣቦይ ዝወስድኩዋ ምኽሪ፡ ትካላት ከመይ ኢለን ገንዘብ ይገብራ ክትፈልጢ ኣሎኪ ትብል’ያ ነይራ። ስለዚ ኣብ ብዙሓት ትካላት ምስ ንግዲን ተመሳሳሊ ልውውጥን ዝምልከት ኣብ በበይኑ ቦታ ከም ኣሻያጢት፡ ኣማኻሪትን ካልእን ኣገልጊለ። እተን ዝሰራሕኩለንን ትካላት’ውን ዝተፈላለያ’የን። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ጻንሖት ብዛዕባ ባህርያት ትካላት ኣዳቒቐ ክፈልጥ ክኢለ። ድሕሪኡ ምስቲ ዝነበረኒ ናይ ስነ-ሓበሬታ ዝንባለን ተመኵሮን ኣብ ዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ብምሕደራ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ምህድንስናን (management science and engineering) ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ጀሚረ። ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታለይ ድማ ናብ ኣካዳሚ ተመሊሰ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብኡ ኣለኹ።

ሕቶ፤ ብዙሕ ግን ከኣ ኣዝዩ ዕዉት መገዲ ኢኺ ተጓዒዝኪ። እቲ ቀንዲ ጽልዋ ናትኪ መንፍዓት ዲዩ ወይስ ናይ ስድራኺ ጽልዋ ወይ’ውን ካልኦት ኣካላት ድፍኢት፧

መልሲ፤ ንስለ’ቲ ቃልካ አመስግነካ። ከም ዝመስለኒ ድምር ናይ ብዙሕ ነገራት’ዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ስድራቤት ጽልዋን ብኣርኣያ ምምራሕ ጽቡቕ ኣብነትን’ዩ። ኩሉ ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ’ዮም ገይሮሞን ሰሪሖምን። ኣብ ማሕበረኮማት ብዙሕ ሰሪሖምን ንኸባቢኦም ክሕግዙ ፈቲኖምን። ትካላት ንግዲ ሃኒጾምን መሪሖምን። ኣበርቲዕካ ክትሰርሕን ነዊሕ ዕላማ ጌርካ ክትዓዪን ኣብ ስድራቤተይ ጓና ኣይኮነን። ኣነ ከኣ እናጸንሑ ብዙሕ ጽቡቕ ዕድላት’ዮም ገጢሞምኒ። ዝኣልዩን ንቕኑዕ መገዲ ዝመርሑን ኣብነታውያን መምሃራን፡ ኣዕሩኽ፡ ቀረብቲን ረኺበ። እዚኣቶም ብሞያን ትምህርቲን ኣብቲ ክበጽሖ ዝደሊ ንኽእንፍት ዓቢ ተራ ገይሮም። ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ሓደ ዓቢ ዕላማ ብደገ ምስ ዝደፍኣኒ ኣበርቲዐ ክሰርሕ ሓይሊ እረክብ። ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልካ። ሕጂ ክልተ ደቂ ኣለዉኒ። ንዓኣቶም ምስ ወለድኩ፡ ነዛ ዓለም ወይ ድማ ነቲ ከባቢየይ ካብቲ ዝጸንሓትኒ ብዝበለጸ ክሓድጎ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተሰቊሩኒ፡ ብእኡ ዕላማ ድማ እሰርሕን እነብርን።

ሕቶ፤ ንምዃኑ ኣብዚ ናትኪ ደረጃ ዝበጽሓ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ክንደይ ይዀና፧ ንምጅማር ዝኣክል ግን ኣለዋ’ዶ ብዝብል ሕቶ ክጅምሮ፧

መልሲ፤ ንኣብነት እኳ ዲን ኮለጅ ዋርቶን ናይ ፐንሲልቫኒያ ዩኒቨርስቲ ዘላ ኤሪካ ጀምስ ኣላ። ከመይ ዝበለት ብጸይቲን መሓዛን’ያ። ኣዝያ በላሕ ሰብን ኣብ ጉዳያት ጸለምቲ ኣበርቲዓ እትሰርሕን ኣድኒቐ ዘይጸግባ ሰብ’ያ። ብሓፈሻ ክትርእዮ ከለኻ ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ኣነ ሕጂ ላዕለወይቲ ተሓባባሪት ዲን፡ ከምኡ’ውን ዳይረክተር ማእከል ትምህርቲ ኣብ ኮለጅ’የ። ካብተን ኣዝየን ኣዝየን ውሑዳን ምዃነይ ዘጠራጥር የብሉን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኮለጅ ቢዝነስ ናይ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ቀዋሚ መዝነት ምምህርና (tenured) ዝኾኑ ክልተ ጸለምቲ ፕሮፈሰራት ጥራይ’ዮም ዘለዉ። ሓንቲ ድማ ኣነ’የ። ቀንዲ ተስፋይን ሕልመይን ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳን’የ ዝብል ኣገላልጻ ነውግድ ንኸውንን። ንሱ’ዩ ትጽቢተይ።

ሕቶ፤ ነተን ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ ወይ ድማ ካልእ ቦታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ መንእሰያት ስደተኛታት እንታይ ምኽሪ ትህቢ፧

መልሲ፤ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከዘኻኽር ምደለኹ። ኣብ ነብሰን ከውፍራን ነብሰን ከማዕብላን ወሳኒ’ዩ። እቲ ዓይነት ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ ብዘይገድስ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምስ ዝረኽባ ክቕጽላ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ኣበርኽቶ ምግባርን ኣብኡ ምውፋርን’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ካልእ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ኣፍልጦን ክእለትን ክህልወካ ቍልፊ’ዩ።

ቅድሚ ውሑድ መዓልታት፡ሳልሰይቲ ምዃና’ያ፡፡ምስ ካልኣየይ ኮይነ ዘዳለኹዋ መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሐ ነይረ። ኣርእስታ ጥThe Digital Mindset: What It Really Takes to Thrive in the Age of Data, Algorithms, and AI ዝብል’ዩ። ናብ ዲጂታላዊ ዓለም፡ ዲጂታላዊ ቍጠባን ኢና ንኣቱ ዘሎና። ከመይ ኮድ ከም ዝግበርን ካልእ መሰረታዊ ቅማረታትን ኣብ ምስራሕ ኢና ዘሎና። ስለዚ እቲ ኣንፈት ናብኡ ስለ ዝዀነ፡ ክንደይ ግዜ ወሲዱ ብዘይገድስ ሰብ ቀስ እናበለ’ውን ክመሃር እንተ ዝኽእል ጽቡቕ’ዩ። ግድን ዝለዓለ ዲግሪ ክኸውን ኣድላዪ ኣይኮነን። ቀዳማይ ወይ ተሓባብሪ (ኣሶሽትድ) ዲግሪ’ውን ክኸውን ይኽእል። ግን ዘገም ኢልና’ውን ትምህርቲ ንምቕጻል ክንሓስብ ጽቡቕ’ዩ።

ምስዚ ዘሎ ግዜ ናይ ቍጽሪ ክእለት ክህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እናኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ናብ ዓቢ ናይ ሕሳብ ስነ-ፍልጠት (ዳታ ሳይንስ) ንጓዓዝ ከም ምህላውና መጠን፡ እዚ ክእለት ግድነታዊ እናኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ስለዚ ነዚ ተረዲኦም ናብቲ ዝዓበየ መገዲ ዘኽእል ክእለት ክድልቡ ሓጋዚ’ዩ፣ ንዕኡ ምስ ዝገብሩ ድማ ዝሓሸ መጻኢ ኣለዎም። ኣቦታትናን ኣደታትና ህርኩታትን ንዝበለጸ ስራሕ ከይደቀሱ ዝሓድሩን’ዮም። ስለዚ ድማ ነቶም ንኣሽቱ’ውን ሓደ ሰብ እኳ መገዲኹም ክዕንቅፍ ከይተፍቅዱን ዕድል ከይትሃቡን እብል። ብኻልእ ከኣ ኣዝዮም ሕያዎት ሰባት ክንረክብ ስለ ዝዀንና ነቲ ዕድላት ተጠቒምና ንቕድሚት ንሰጕም።

ሕቶ፤ ንምዃኑ’ኸ ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ምናልባት’ውን ኣብ ቀረባ ምስ ዝመጹ ስደተኛታት ምትሕሓዝ ኣለኪ’ዶ፧

መልሲ፤ ምስ ስድራቤተይ ግድን ኣሎኒ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ንኤርትራ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ድሌት ደኣ ይሃልወኒ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ግዜ ከሕልፍ ዘይምኽኣለይ ሕማቕ ይስመዓኒ። ንኢትዮጵያ ክኸይድ ግን ዕድል ረኺበ ነይረ። ናይ መጨረሽታ ኣብ 1998’ዩ። ክልተ ሰሙን ምስ ጸናሕና ዶባዊ ኲናት ጀሚሩ ቀልጢፍና ድማ ነቒልና። ግን ሓቂ ንምዝራብ፡ ስድራቤተይ ካብ ዓዶም ካብ ዝወጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ እታ ቀንዲ መላግቦ ብመገዲ ስድራቤት ጥራይ’ያ። ንዓኣ ድማ ብውሑዱ ኣብቶም ናይ ቀረባ ስድራይ ክዕቅባ እፍትን።

ሕቶ፤ መወዳእታ ሕቶይ’ያ። ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ምስ ናይ ርሕቀት ስራሕ ኣመልኪትኪ ክልተ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፍኪ ኣንቢበ ኣለኹ። ሕጂ ካልእ ከም ዝወዳእኪ’ውን ጠቒስኪ ጸኒሕኪ። ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ናይ ቀደም ክንምለስ ንኽእል ዶ ይመስለኪ፧ ከመይ ኢና ክንቅጽል፧

መልሲ፤ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓን ናይ ርሕቀት ርክብን ኣብ ህይወትናን ስራሕናን ህሉዋትን ቀጸልቲን ክዀኑ ምዃኖም ድሮ ተመስኪሩ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ናብቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ኣገባባት ክንምለስ ንኽእል ኣይመስለንን። ሕንፋጸ ናይ ብኣካልን ርሑቕን ርክባትን ስራሕን ክቕጽል’ዩ። ብሕልፊ ኣብቲ መሳለጥያታት መራኸቢ ዘለወን ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ንኣካልን ርሕቀትን ዘዋሰበ ኣገባብ ኣሰራርሓ ሓያሎ ሓደስቲ ነገራት ምሂሩና ኣሎና። ነዚ ተጠርዩ ዘሎ ተመኵሮ ምድርባዩ ድማ ኣይከኣልን’ዩ። ንኣብነት ኣነን ንስኻን ሕጂ ክንዛረብ እንከሎና ኣብ በበይኑ ስፍራ ኣሎና፡ ከም ብኣካል ዘሎና ጌርና ክንዛረብ ክንሰማማዕን ግን ጸገም የብልናን። ነዚ ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን ተመኵሮን ደጊመ አመስግን።

ግን ከኣ ነቲ ተጠርዩ ዘሎ ተመኵሮን ኣንፈት ኣሰራርሓን ዝበቅዕ ክእለትን ሞያን ከነማዕብል ኣድላዪ’ዩ። ኣብ ማዕዶን ኣካላን ብማዕረ ዝምስጥ ክእለት ኣቀራርባ፡ ኣሰራሓን ምልከትን ክህልወና ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG