ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ብወግዒ ተኸፊቱ


ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ ኣብ አዲስ አበባ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ኤምባሲ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ተኻይዱ’ሎ። ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ድማ ነቲ ኤምባሲ ብወግዒ ከፊትዎ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምክፋት’ቲ ኤምባሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዘንጊ ዝሰቐሉ ኽኮኑ ከለው መፍትሕ ድማ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ተቐቢሎም።

ድሕሪ ስነ ስርዓት ምክፋት’ቲ ኤምባሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ምምርሑን ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ድማ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ምእታዎም ሚንስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG