ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኤርትራ ጽባሕ ሶኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት`ዩ


ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ብናህሪ ዝሕንበብ ዘሎ ጉዕዞ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ን20 ዓመታት ተዓጺዩ ዝጸንሐ ኤምባሲ ኤርትራ ጽባሕ ሰኑይ ከምዝኽፈት ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ኣተንቢሆም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ከባቢ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ህንጻ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ክሕደስን ክተዓራረይን ከምዝቐነየ፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣርኣያ ንድምጺ ሓቢሩ`ሎ።

እዚ ምኽፋት ኤምባሲ፡ ድሕሪ ምኽፋት መስመራት ተሌፎንን መንገዲ ኣየርን ሳልሳይ ግብራዊ ስጉምቲ`ዩ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ መኣስ ከምዝኽፈት ዛጊድ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቶም ዛዚሞም ጽባሕ ሶኑይ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድሚ ምምላሶም ነቲ ኤምባሲ ኤርትራ መሪቖም ክኸፍትዎ`ዮም ዝብል ግምት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG