ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘይገበሩ የመልክት


ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ -ፋይል
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ -ፋይል

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይን ዝዀኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ክልሎምን ፈደራላዊ መንግስቲን ቀጥታዊ ርክብ ተኻዪዱ ንዝብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነጺጎምዎ። ኣይተ ጌታቸው ብትዊተር ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ከምኡ ዝመስል ርክብ ፈጺሙ ዘይምክያዱ ብምሕባር ነቲ ጸብጻብ 'ስኑዕ ዜና' ክብሉ'ውን ገሊጾም።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ዜና ኣቐዲሙ ካብ ወግዓዊ ምንጪ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምጽብጻቡ ጠቒሱ፡ ድሒሩ ኣብ ዝተኣረመ ግን ገለ ቃላት ብምቕያር ኣብ ትሕዝቶ መጠናዊ ለውጢ ከም ዝሃበ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓቲቱ ምላሽ ዘይምርካቡ ጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG