ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ንፈለማ እዋን ምርኻቦም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ


ፕረዚደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ -ፋይል
ፕረዚደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ -ፋይል

ንዘተ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይ ዝሽምግል ዘሎ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ትማሊ ሓሙስ ብወግዒ ከም ዝገበሮ፡ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ርክብ ኣካዪዶም ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ፡ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ብ4 ነሓሰ ኢዩ ተኻዪዱ። ዛጊት ግን ንህዝቢ ግሉጽ ኣይጸንሐን። እቲ ዜና ኣገባባት ርክብን ኣብቲ ቀጥታዊ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተሳተፉ ኣካላት ብስም ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ላዕለዎት መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንኻልኦት መንግስታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ከይዲ ሰላም ኣበርኽቶ ክግበሩ ጸዊዑ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንረብሓ ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላምን ዝሰርሕ ኣካል’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ኣቐዲሞም መራሕቲ ክልል ትግራይ ብኦሊሰገን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ሽምግልና ዘይኰነስ ብኡሁሩ ኬንያታ ዝምእከል ርክብ ከም ዝቕበሉን ንኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ድማ ኣውሓስቲ ናይቲ ዘተ ክዀና ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ እቲ እንኮ መገዲ ዘተ ብኦባሳንጆ ዝምራሕን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከልን ጥራይ ምዃኑ ይምጕት።

XS
SM
MD
LG