ናይ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ብልሽውናንን ብገበን ጠርጢረዮም ኢሉ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎም ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ዓርቢ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ኣቶ በረኸት እቲ ጉዳይ ይርኣይ ዘሎ ሕጋዊ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ኣይኮነን፤ክሕተት ዘለኒ እውን ብናይ ገበን ሕጊ እምበር ብኣዋጅ ፀረ ብልሽውና ክኸውን ኣይግባእን ክብሉ ተኸራኺሮም።
ናይ ሕጊ መማኸሪ ይኹን ጠበቓ ክረክብ ኣይክኣልኩን፣ቤት ፍርዲ ጠበቓ ይመድበለይ ክብሉ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ባህር ዝቐረቡ ኣቶ በረኸት ስምኦን ጥርዓን ኣቕሪቦም።
ኣቶ በረኸት ጉዳይና ሕጋዊ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ኣይርኣይን ዘሎ ዝበሉዎ መክራኸሪ ከቐምጡ ከለው ዳሽን ቢራ ብናይ ፌደራል ውዕልን መረዳእታን ከምኡ እውን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ፌደራል ዝተመዝገበ ብምዃኑ ጉዳይና ክርአ ዘለዎ ብደረጃ ፌደራል እዩ፤ክንኽሰስ ዘለና እውን ብናይ ገበን ሕጊ እምበር ብኣዋጅ ፀረ ብልሽውና ክኸውን የብሉን ኢሎም። ምኽንያቱ ድማ ኢሎም ንሶም ተፈፂሙ ዝተባህለ ሕጊ ፀረ ብልሽውና ቅድሚ ምውፅኡ ቅድሚ 2007 ዓ/ም ምዃኑን ፤ሕጊ ፀረ ብልሽውና ኸኣ ቅድሚ 2007 ዓ/ም ዝተፈፀሙ ገበናት ብልሽውና ክርኣዩ ዘለዎም ብናይ ገበን ሕጊ እዩ ስለዝብል እዩ ክብሉ ተኸራኺሮም።
እቲ ኮሚሽን ንዓና ንምኽሳስ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ኣለኒ ዝብል እንተኾይኑ ድማ ዓንቀፅ ጠቒሱ ኣየረድአን ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም።
መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ናይ ገበን ኽሲ ስሩዕ ሙግት ክጅምር ከሎ ዝልዓል ከምዝኾነን ዝተጠርጠናሉ ገበን ግልፂ ኣይኮነን ንዝብል እውን ኣብ መንግስታዊ ትካል ልምዓት ንስራሕ ብዘይምቹው ኩነታት ብምምራሕ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣሰራሓን ረብሓን ጉድኣት ምውራድ ዝብል ከምዝኾነ ብግልፂ ተቐሚጡ’ሎ ኢሉ’ሎ።
ናይቲ ክልል ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውናን ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብፍላይ ድማ ምስ መሸጣ ኣክሲዮን ዳሽን ቢራ ብዝተኣሳሰረ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ገንዘብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ሒሳብ ባንኪ ከምዝተቐመጠ ዝሕብር ጥቆማ ኣለኒ ነዚ ንምፅራይ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ንምእካብ ተወሳኺ ግዜ የድለይኒ እዩ ኢሉ’ሎ።
እቲ ኮምሽን ብብልሽውና ዝጠርጠሮም ኣቶ ታደሰ ካሳ ብወገኖም ናይታ ሃገር መንግስቲ ‘’እናፃረየ እዩ ዝኣስር’’ ብዝበሎ መሰረት እቲ ኮሚሽን ኣፃሪዩ ምስ ወድአ ኢና ክንሕተት ዘለና እምበር ተወሳኺ ናይ መፃረይ መዓልታት ክሓትት የብሉን ኢሎም ተኸራኺሮም።ነቲ ክርክር ዝሰምዐ መጋባእያ ብተጠርጠርቲ ንዝቐረበ ቅሬታ ውዱቕ ብምግባር መርማሪ ጉጅለ ዘቕረቦ ተወሳኺ 14 መዓልታት ብምፍቃድ ን15 ለካቲት 2011 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።
ኣብ መወዳእታ ኣቶ በረኸት ነቲ መጋባእያ ኣብዘቕረቡዎ ጥርዓን ኣብ ልዕለይ ይፍፀም ዘሎ ፖለቲካዊ ቑማር እምበር ሕጋዊ ዝኾነ ከይዲ ፍርዲ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ቀረባ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወፀ ስእሊ ዝሓዘ ሰነድ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም።ሽመይ ይፅልም ኣሎ፤ስብእናይ ዘርስሕ ፀርፊ ይፅረፍ ኣለኹ ክብሉ ካልኦትን ብምቕራብ ጠሪዖም።እቲ መጋባእያ ንቕድሚት ምስቲ ቤት ፍርድን ምምሕዳርን ክንዘራረበሉ ኢና ክብል መሊሱ’ሎ።
ናይቲ ክልል ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውና ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ብገበን ጠርጢረዮም ኣለኹ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ይፍለጥ።