ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፋጺ ዝነበረ ሰራዊት ብካልእ ሓይሊ ክሳብ ዝትካእ ከምዘይንቀሳቀስ ተገሊጹ


ከበድቲ መሳርሒ ኩናት ካብ ዛላንበሳ ከባቢ ፋፂ ብናይ ፅዕነት መካይን ናብ ካልእ ቦታ ንምዝውዋር ትማሊዝተገበረ ምንቅስቃስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ንደሊ ኢና ኢሉ ምዕጋቱ ይዘከር።

ነቲ ሰራዊት ዝትክእ ካልእ ሰራዊት ክሳብ ዝመፅእ ካብቲ ከባቢ ከምዘይንቀሳቐስ ኣመራርሓ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሕብረተሰብ ከባቢ’ ቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምግላጾም ተሓቢሩ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ዶብ ስዒቡ ንቡዝሕ ዓመታት አብ ከባቢ ዛላንበሳ ዝፀንሐ ከበድቲ ኣፅዋር ኲናት ፅዒነን ንምውሰድ ናብ ከባቢ ፋፂ ዝተንቀሰቐሰ ኣስታት 20 መካይን ፅዕነት ናይቲ ካበቢ ሕብረተሰብ መንገዲ ብምዕፃው ካብቲ ከባቢ ከይንቀሳቐሰ ምግባሩ ትማሊ ፀብፃብ ምቕራብና ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣመራርሓ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርተራን ዝተፈጠረ ሰላም ስዒቡ ዝተኸፈቱ መስመራት ዛላምበሳን ራማን ብወገን መንግሰቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብምዕፃዉ ስዒቡ ዝፋጠረሎም ስግኣት ነበርቲ ገሊፆም እዮም።

ሓላፊ ቤት ፀሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ወረደ ጉሎ መኸዳ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ህዝቢ ዘልዓሎ ሕቶ ስዒቡ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ንህዝቢ ክበሃል እቲ ሓይሊ ዝትክእ ካልእ ሰራዊት ክሳብ ዝመፅእ ኣብ ቦትኡ ክፀንሕ ምውሳኖም እዮም ተዛሪቦም።

ኣይተ ግርማይ ከምዝገለፅዎ ሓዱሽ ዝትካእ ሰራዊት ሎሚ መዓልቲ ኣማስዩ ናብቲ ከባቢ ክኣቱ እዩ ኢሎም።

ድሕንነት እቲ ህዝቢ ውሕስና ዝህብ ሰራዊት ከምዝትካእ ተገሊፁ ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣይተፀጋይ ኣሰፋ ዝተብሃሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ተተካኢ ሓይሊ ክሳብ ዝመፅእ እቲ ሰራዊት ከምዘይለዓል ተረዳዲእና ኢና ኮይኑ ግና እቲ ዝመፅእ ሓይሊ ብዓይነት ኣፅዋር ኮነ በዝሒ ምስቲ ዝለዓል ሓይሊ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢርና ኢና ኢሎም።

እቲ ዘተ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝተዛዘመ ድማ ተገሊፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG