ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ ከተማ ፋፂ ኣጽዋር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምልዓል ዝተኻየደ ፈተነ ብተቓውሞ ህዝቢ ደው ምባሉ ተገሊጹ


ካብ ከተማ ዛላንበሳ ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ከባቢ ከተማ ፋፂ ዘሎ ከበድቲ ኣፅዋራት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብ ካልእ ቦታ ንምውሳድ ዝመፃ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ፡ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ንደሊ ኢና ብምባሉ እቲ ተግባር ምግዕዓዝ ኣጽዋር ከምዝተቛረጸ ምምሕዳር ወረዳ ጉለመኸዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣቶ ግርማይ ሓዲሽ፡ ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ብምግባር እቲ ትልሚ ሰራዊት ምክልኻል ክፍጸም ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣስታት 20 ዝኾና ዓበይቲ መካይን ፅዕነት ናብቲ ከባቢ ሎሚ ምምፀአን ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ።

እተን መካይን ከበድቲ ኣፅዋር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፂዒነን ክወፃ እየን ብምባል ህዝቢ ኣብ ከተማ ፋፂ ነተን መካይን ከይሓልፋ ከምዝዓገተን እዩ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕደርን ወረዳ ጉለመኻዳ ኣይተ ግርማይ "ህዝቢ መብርሂ እዩ ዝሓትት ዘሎ" ኢሎም። "ሎምቕነ ብምዕፃው ዶብ ዘላንበሳ ህዝቢ ስግኣት ከምዝሓደሮን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣጋጢሙ ከሎ ሰራዊት ምክልኻል ምልዓሉ ኣይተረደአናን ምኽንያቱ እንታይ እዩ?" ዝብል ሕቶ ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ቐሪቡ ኢሎም።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እውን ንሕቶ እቲ ህዝቢ ተቐቢሎም ክሳብ መብርሂ ዝወሃብ ነቲ ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ኢሎም።

ፅባሕ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ዘተ ከካየድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG