ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሕብረተሰብ ኦሮሞን ዞባታት ሰሜን ሸዋ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝወስድ ተገሊጹ


ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዞባ ሕብረተሰብ ኦሮሞን ዝተፈላለዩ ዞባታት ሰሜን ሸዋ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሓያል ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።

እቲ ህወከት ዝተራእየሎም ከባቢታት ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዝተረጋግኡ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ሕውነትን ሓቢርካ ምንባርን ህዝብታት ብልኡኻት ኣፍረስቲ ሓይልታት ኣይተዓናቐፍን’ዩ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን እቲ ንመዓልታት ኣብ ከባቢ ኬሚሲ ዝተጻህተረን ናብ አጣዬ፡ ካራ ቆሬን ማጀቴን ካልኦት ከባቢታትን ዝተጋፍሓ ጎንጺ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ከባቢ ንምርግጋእን ህይወት ነበርቲ ንምድሓንን ኣካላት ጸጥታ ፈደራልን ክልልን ተመጣጣኒን ሕጋዊን ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ገሊጾም።

በዚ ዝተወስደ ስጉምቲ’ውን እቲ ጸገም ተራእይሎም ዝነበረ ከባቢታት ኬሚሴ፡አጣሎን ማጀቴን ምርግጋእ ከምዝተራእየሎም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG