ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ዝነበረ ምልውዋጥ ተኹሲ ደው ምባሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ከተማታት ጋምቤላ፣ጊምቢን ደምቢ ደሎን ድሕሪ ናይ ትማሊ ምልውዋጥ ቶኺስ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ተቓወምትን ምርግጋእ ምፍጣሩ ነበርቲ ገሊፆም።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ክልል ጋምቤላ ብወገኑ እታ ከተማ ተረጋጊኣ ኣላ ኢሉ ኣሎ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ "ሸኔን ኣጋራቱን ኣብ ጋምቤላን ደምቢ ደሎን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ቶኽሲ እንተኸፈቱ እውን ብሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ተወሲዱዎም’’ ክብል ገሊፁ።

ብኻልእ ወገን ወሃቢ ቃል ንርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ ሓይሊ ምዃኑ ዝዛረብ ኣቶ ኦዳ ተርቢ ትማሊ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ጊምቢ፣ደምቢ ደሎ፣ኢናንጎናን ነጆን ከምኡ እውን ኣብ ጋምቤላ ምስ ዕጡቓት ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምዃን ውፅኢታዊ ስርሒት ኣካይድና ኣለና ኢሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትማሊ ፓርላማ መደርኦም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዚዩ ወጽኢታዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝበሉዎ ወፍሪ ተኻይዱ ልዕሊ 1,000 ኣባላት ሸኔ ተቐቲሎም ብኣሽሓት ድማ ተማሪኾም ክብሉ ገሊፆም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG