ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ውግእ ከምዝነበረ ተሓቢሩ


ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋን ጊምቢን፣ ቄለም ወለጋ ዞባ ደምቢ ዶሎን፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ መንግስቲ ግን ሸኔ ጉጅለ ሽብር ዝብሎ ሓይሊ ውግእ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ከተማ ጋምቤላ፣ ካብ ኣጋወጋሕታ ክሳብ ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ፣ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝዋዓለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ "ኣብ’ታ ከተማ ተዂሲ ኣብ ልዕሊ ዝኸፈቱ ዕጡቃት ሸኔን ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ" ኢሉ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እየ ዝብሉ ኣቶ ኦዳ ተርቢ ብወገኖም ምስ ሰራዊት ናጽነት ጋምቤላ ሓባራዊ ስርሒት ከምዝፈጸሙ ሓቢሮም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG