ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት ከምዝተረኽቡ ፖሊስ ኦሪገን ሓቢሩ


ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት ከምዝተረኽቡ ፖሊስ ኦሪገን ንፈደረሽን ኣትሌትክስ ኤርትራ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ንምስታፍ ንኣመሪካ መጺኦም ምስዋሮም ዝተሓበረ ሓሙሽተ ኣትለታት ኤርትራውያን ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላዎም ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ኦሬጎን ንፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።

ፈለማ ምጥፋኦም ዘመልከተ ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ኦረጎን ድምጺ ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣትለታት ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላዎምን ልምምድ ምጅማሮምን ኣመልኪቱ። ፈለማ ብዛዕባ ምጥፋኦም ናብ ፖሊስ ዘመልከተ እቲ ፈደረሽን ምዃኑ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG