ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ኣመሪካ ኦሬገን ምጥፋኦም ፖሊስ የመልክት


የማነ ተኽለሃይማኖት ሃይለስላሴን - ሓደ ካብ ጠፊኦም ምህላዎም ዝግለጽ ዘሎ ኣትሌታት ኣብ ውድድር ኦሪገን (ፋይል)
የማነ ተኽለሃይማኖት ሃይለስላሴን - ሓደ ካብ ጠፊኦም ምህላዎም ዝግለጽ ዘሎ ኣትሌታት ኣብ ውድድር ኦሪገን (ፋይል)

ንውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንኣመሪካ መጺኦም ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኦሬገን ክወዳደሩ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስዋሮም ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ክፍሊ-ግዝኣት ኣመልኪቱ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሬገን ኣብ ዝርከብ መደቀሲ ዝጸንሑ እቶም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲን ሓደ ኣስልጣኒ ወይ ተሓባባሪ ምዃኖም ዝተነግሩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ፡ ካብ ዕለት 24 ናይዚ ወርሒ ምስዋሮም እቲ ብፖሊስ ዝወጸ መድላዪ መመልከቲ ይሕብር።

እቶም ፖሊስ ኦሬጎን ኣብ መዝግብ ስዉራት ኣእትዩዎምን ብዛዕባ ሃለዋቶም ኣፍልጦ ንዘለዎ ሰብ ክሕብር ተመልኪቶም ዘለዉ ኣትለታት ፊልሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ፡ መርሃዊ መብራህቱ ተኽለብርሃንን የማነ ተኽለሃይማኖት ሃይለስላሴን’ዮም።

XS
SM
MD
LG