ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቱርኪን ሶርያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 5-ሽሕ ክብ ኢሉ


ኣሌፖ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት
ኣሌፖ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት

ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ናብ ልዕሊ 5- ሺሕ ደይቡ`ሎ። ሰራሕተኛታት ድሕነት በቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ዝተቐብሩ ሰባት ንምርካብ ጻዕሮም ቀጺሎም ኣለዉ።

ንጻዕርታት ድሕነት ተወሳኺ ዕንቅፋት ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣብቲ ቦታ ናብ ቐዝሒ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ሰሉስ ድማ ተወሳኺ ግን ትሕት ዝበለ ነውጺ መሬት`ውን ተራእዩ ኔሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ናይ ቱርኪ መዘንኡ ብስልኪ ከም ዝተዘራረበን፡ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣመሪካ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ ክትሰድድ ከም ትኽእል ምግላጹን ዋይት ሃዋስ ጠቒሱ`ሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ነቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዝወረደ ጥፍኣት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኩሉ ዓቕምታት የወሃህድ ከምዘሎ ብምሕባር ኩሎም ወሃብቲ ሓገዝ ብሓድነት ክንቀሳቐሱን ጸዊዑ።

ኣብ ቱርኪ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ተኣዊጁ`ሎ።

XS
SM
MD
LG