ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቱርኪን ሶርያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 1,600 ሰባት ሞይቶም


ቱርኪ
ቱርኪ

ኣብ ቱርኪን ሰሜን ሶሪያን ሎሚ ሰኑይ 6 የካቲት 2023 ንጉሆ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 1,600 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ።በቲ 7.8 ሬክተር ዝተዓቀነ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝፈራረሱ ህንፃታት ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርደዋን ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እንተወሓደ 912 ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 5,400 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ገሊፆም። ክሳብ ክንደይ ክልዕል ከምዝኽእል ክትንብዩ ከምዘይኽእሉን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድህን ፍተሾም ከምዝቐፀሉን ብምግላፅ እንተወሓደ 2,800 ህንፃታት ከምዝዓነውን ሓቢሮም።

ሰበስልጣን ጥዕና ሶሪያ ብወገኖም መንግስቲ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት እንተወሓደ 326 ሰባት ምሟቶም ገሊፆም። ዓመፅቲ ኣብ ዝተቖፃፀሩዎም ከባቢታት ድማ እንተወሓደ 100 ሰባት ምሟቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓቢሮም።

ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ቱርኪ ሱለይማን ሶይሉ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ልዕሊ 20 ድህረ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመን እንተወሓደ ንልዕሊ 10 ምምሕዳራዊ ከባቢታት ቱርኪ ከምዝተንከፈን ገሊፁ።

ሕብረት ኣውሮጳ፣ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ናይ ጀርመን መራሒ ኦላፍ ሾልዝ ፣ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፣ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፣ ሩሲያ፣ ኣመሪካ፣ ዩክሬይንን ሓዊሱ ሃገራትን መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ምድሓን ህይወት ንምሕጋዝ ቅሩባት ምዃኖም ገሊፆም ኣለው።

ቱርኪ ሓንቲ ካብ ዓለም ንጡፍ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘለዎ ከባቢ እያ።

XS
SM
MD
LG