ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝነበሩ አባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ነቲ ኣድማ ምቁራጾም ተገሊጹ


ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
ኣቶ ዳውድ ኢብሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝነበሩ ኣባላት ኣመራርሓ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ነቲ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ምሕሳም መግቢ ከምዘቋረጽዎ ተነጊሩ።

እቶም ሽዱሽተ እሱራት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘቋረጽዎ፡ ንከቢድ ጸገም ጥዕና ስለዝተቓልዑ ምዃኖም፡ ነቲ ኣድማ ከቋርጽዎ ክምሕጸኑ ካብ መንጎ ዝጸንሑ ሽማግለታት፡ ፕረዚደንት ማሕበር መጫና ቱሉማ ዝኾኑ ድርቢ ደምሴ ገሊጾም።

እቶም እሱራት ብገበን ሽበራ ዝተኣስሩ ኮይኖም ዝተወሰኑ ብናጻ ክልቀቑ ተወሲንሎም ከሎ`ውን ከምዘይተፍትሑ ይገልጹ። ብዛዕባኡ ካብ ሰበ-ስልጣን ኦሮሚያ ኮነ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG