ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝጀመርዎ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ምቕጻሉ ተገሊጹ


ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
ኣቶ ዳውድ ኢብሳ

ኣባላት ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፣ ግህሰት መሰላት ይፍጸመና ኣሎ ኢሎም ዝጀመርዎ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሻድሻይ መዓልቱ ከምዝሓዘ እቲ ፓርቲ ገሊጹ።

ጊዚያዊ ወሃቢ ቃል እቲ ፓርቲ ኣቶ ለሚ ገመቹ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቶም መራሕቲ ሓሚሞም ክሕከሙ እንተሓተቱ ተኸልኪሎም፣ ምስ ቤተሰብ፣ ጠበቃን ኣባላት እቲ ፓርቲ ካብ ዝራኸቡ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ" ክብል ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቤት ፍርዲ ናጻ ድሕሪ ምባሉ ካብ ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ ዝተወሰደ ኣባል መሪሕነት ኦነግ ኮሎኔል ገመቹ፣ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ተመሊሱ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቀረበ፣ ጠበቓኡ ኣቶ ሚልክያስ ቡልቻ ገሊጹ ኣሎ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ አዲስ አበባ ንኩነታት እቶም እሱራት ንምንጻር ዝገበርክዎ ዝተፈላለየ ፈተነታት ኣይሰመረን ትብል።

Recommended

XS
SM
MD
LG