ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሜሪላንድ ዝመደበራ ኤሪ-ስታር ክለብ ስፖርትን መንእሰያትን 23 ተመሃሮ ተመርቕ


ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ትርከብ ኤሪስታር ትብሃል ናይ ኤርትራውያን ክለብ ስፖርትን መንእሰያትን በብዓመቱ ንተመሃሮኣ ብሓደ ጠርኒፋ ክተመርቕ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ጌራ'ላ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን 2021 ዓመት ድማ 23 ካብ ካልኣይ ደረጃን ካብ ኮለጅን ንዝተመረቑ ተመሃሮ፥ ናይ ኣፍልጦን ሽልማትን በዓል ጌራትሎም ኔራ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ሕቡናት ወለድን ኣሰልጠንትን ብሓባር ኮይኖም ዘዳለዉዎ ናይ ምረቓ በዓል ፥ብተመሃሮን ነቲ በዓል ብዝተዓደሙ መሰጥቲ መደርትን፥ ብዛዕባ ጻዕርን ዓወትን ዝተፈላለዩ መኽርታትን ተዋሂቡ ኔሩ። 'Destined to Inspire' ዝብል ትካል ዝውንን ገጣሚንን ኣማኻሪ ህይወትን ሄኖክ ሰለሙን'ዩ ዋና መደረ ኣስሚዑ።

እዞም ተመሃሮ ካብ ብንእሽትኦም ኣብ ስፖርትን ትምህርታዊ ሰሚናራትን እናተራኸቡ ብሓባር ዝዓበዩ ምዃኖም ፡ኣባል ቦርድ ክለብ ኤሪስታር ሰላም ሽመንዲ ሃይለ ትገልጽ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG