ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማይነማር ዘሎ ግጭት ንደቂ ኣንስትዮ'ታ ሃገር ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ግዱድ መርዓን የቓልዕ


ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ ሓይሊ ማይነማርን ካቺን ናይ ናጽነት ሓይሊን ዘሎ ግጭት ነቲ ሃገር ናብ ስእነት መሬት፡ ምዝንባል ዜጋታትን ምብትታትን ስድራቤታትን ዝአመሰሉ ቁጠባዊ ጸገማት ይፈጥር ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ብዙሓት በርማዊያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጎረቤት ቻይና ብምኳድ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ግዱድ መርዓን ይቓልዓ ምህላወን’ውን ብተወሳኺ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ማይነማር ዝርከቡ ስራሕ ዘይብሎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ስድራቤታት በብጊዚኡ አታዊ ንምርካብ ናብ ቻይና ይሰግሩ።

እቲ ኣብ 2015 ዝተዛዘመ ሓደ ቆልዓ ምውላድ ዝብል ፖሊስ ቻይና ድማ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ ይግለጽ ምክንያቱ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝበዝሓ ብምኳኑ ብዙሓት ዝምርዓውወን ወይ ዝወልዱለን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምምጻእ ይግደዱ።

ዝበዝሓ ጊዜ ድማ ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዘለዋ ንሓደጋ ይቓልዓ።ስማ ክትገልጽ ዘየደለየት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብመንገዲ መሓዙታ ስራሕ ንምርኻብ ናብ ቻይና ምምጻኣን ድሒራ ግን ሃለዋታ ኣጥፊኣ ጅሆ ምትሓዛ ትገልጽ።

“ብብዙሕ ስቅያት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ይነብር ኔረ። ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ’ውን እየ። ዋላ’ዃ ምስኦም ንምድቃስ ፍቃደኛ እንተዘይነበርኹ ኣገዲዶሙኒ፡ ዓሚጹኒ ድሕሪኡ ድማ ነፍሰ ጾር ኮይነ”ትብል።

ዋላ’ኳ ገለ ካብዞም ጉዳያት ብንጹር ገበን ከምተፈጸመ ዘርእዩ እንተኾኑ ገለ ድማ ኣብ እዋን ብስምምዕ ስድራቤታት ዝካየዱ መርዓ ከም ዝያዳ ገዝሚ ምሃብ ዝብሉ መብጽዓታት ብምሃብ ጀሚሮም ዳሕራይ መልክዖም ዝቐየሩ እዮም።

ተሓላቒ መሰላት ዝኾነ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ካቺን ስድራቤታት ካብ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ዝተበገሰ’ዩ እንተኾነ ሳዕቤን እቶም ብወለዲ ስምምዕ ዝፍጸሙ መርዓ ዝተረድኡ ኣይመስለናን ይብል።

ሓንቲ ካብ አባላት’ዚ ማሕበር ሰንግ ካሃም ከምዚ ትብል።

“ መብዛሕትኦም ወለዲ ደቆም ንቻይናዊ ሰብኣይ ክምርዓዋ ይደልዩ ምክንያቱ ዝሓሸ ናብራ ክረኽባ ስለዝደልዩ፡ መንግስቲ ቻይና ንዜጋታቱ ብዝሓሸ ኩነታት ይሕዝ’ዩ ኢሎም ስለ ዝኣሙኑ’ዩ”ትብል።

ኣብ መንጎ መንግስቲን ተቓወምቲ ካቺን ኣብ ቀረባ ዝተላዕለ ሓድሽ ግጭት ድማ ነቲ ተጀሚሩ ነበረ ልዝብን ምርግጋእ’ቲ ዞባን ደው ክብል አገዲዱ’ዩ። ተሓለቒ መሰላት ድማ እዚ ነቲ ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክውስኽ ዝገብር’ዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG