ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ


ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:16 0:00

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ።

ኣብ ዞባ ዋግ-ሕምራ፡ ካብ ከተማ ሰቖጣ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባብታት ከምኡ'ውን ኣብ ከባብታት ሑመራን ወልቃይትን ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ከምዝስማዕ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ሰባት ተዛሪቦም ኣለዉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተወልዐ ግጭት ንምዝርራብ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጓዒዙ'ሎ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ "ፍሉይ ልኡኽ ሃመር፥ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ወተሃደራዊ ወፍርታቶም ደው ከብሉ መልእኽቲ ፕረዚደንት ባይደን ከብጽሕእዩ" ኢላ።

ኣመሪካን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ወተሃደራዊ ወፍርታት ደው ኢሉ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብወገና፥ ብዳግም ምውላዕ እቲ ዂናት ብዓሚቕ ከም ዝሓዘነት ብምግላጽ፥ ኩሎም ወገናት ፍልልያቶም ብሰላም ይፍትሑ ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ'ላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ደብዳብ ነፈርት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግማይ ምእታው ኤርትራ ኣብቲ ኲናትን ኣመሪካ ከምትኹንኖ ገሊፆም። ኹሎም ወገናት ወታሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ከብሉን ፃዕርታት ልዝብ ሰላም ከሐይሉን ንፅውዕ ኢሎም’ለዉ።

ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኖም ብቲዊተር አቢሎም ጉራምራ ዝኾኑ ጉጀለ ወፃእተኛታት ደገፍቲ ህወሓት ኣብዚ ቅነ’ዚ ኣንፃር ኤርትራ ወፍሪ ግጉይ ሓበሬታ ኣሓይሎም’ለዉ። እዚ ኸኣ ህወሓት ናይ ኲናት ምርጭኡ ኣብ ዝትግብረሉ እዋን ዝገብረዎ ዝተለመደ ተግባር’ዪ ኢሎም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG