ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተሓለቅቲ መሰላትን ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ተአሲሮም ዝነበሩ 4 ጋዜጠኛታት ምፍትሖም ከምዘሓጎሶም ገሊጾም


ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተሓለቅቲ መሰላትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ምፍትሖም ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ፤ ጋዜጠኛታት ዝርእይዎም ዘይምርግጋኣት ኣብ ምቅላዕ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣብሪሆም ።

ቢቢሲ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋታት ዝሰርሕ ጋዜጠኝኡ ግርማይ ገብሩ ምፍትሑ ዘረጋገፀ ኮይኑ "ሙሉእ መብርሂ ክወሃበኒ ይፅበ ኣለኹ " ኢሉ ።

ንዜና ወኪል ፈረንሳ /AFP/ ተርጓማይ ኮይኑ ዝሰርሕ ፣ ንጋዜጣ እንግሊዝ ፋይናንስ ታይምስን ከምኡ'ውን ንኒውዮርክ ታይምስ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ክብሉ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣቶ ኣበበ ገ/ህይወት ይሕደጎ ንሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG