ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን ተፈቲሖም


ሎምቅነ ኣብ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ፌደራል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ተርጎምቲ ናይ ወፃኢ መራኸቢ ማዕኸናትን ሎማዕንቲ ረቡዕ ብነፃ ተፈቲሖም።ናይ ገሊኦም ሞባይል ስልክታትን ኮምፒተርን ግን ከምዘይተመለሰሎም ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።

ጋዜጠኛ ግርማ ገብሩ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ኣብ ሓደ ካፌ ምስ ኣዕርኽቱ እናሃለወ ብርክት ዝበሉ ወታደራትን ኣባላት ድሕነትን ነቲ ከባቢ ከቢቦም ሞባይል ስልክኹም ሃቡ ኢሎም ምስ ሓሙሽተ ርእሱ ናብ ወታደራዊ ኮሌጅ ወሲዶም ምስ ኣሕደሩዎም ትማሊ ብፌደራል ፖሊስ ናብ ዝምራሕ መደብር ፖሊስ ተወሲዶም ብነፃ ከምዝተፈትሐ ገሊፁ።

ምኽኒያት ናይ መእሰሪኡ ከምዘይተነገሮ ብምግላፅ ዝተመስረቶ ክሲ የለን ኢሉ።እቶም ምስኡ ብሓባር ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ብዋሕስ ንሱ ግን ብነፃ ከምዝወፀ ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ።

ንጋዜጠኛ AFP ኣስተርጓሚ ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ፍፁም ብርሃነ ዝሓለፈ ዓርቢ ለይቲ 20 ለካቲት 2013 ዓ\ም15 ዝኾኑ ወታደራትን ስቪል ዝተኸደኑ ናይ ድሕንነት ሰባትን ናብ ገዝኡ መፂኦም ከምዝኣሰሩዎን ንሰለስተ ማዕልታት ኢዱ ብሸንሸል ተኣሲሩ ብዙሕ ምፍርራሕ ከምዝወረዶን ሓቢሩ።

ገዝኡ ተበርቢሩ ገለ ናውቲ ከም ዝተወሰዶ ዝሓበረ ንሱ ብነፃ ክፍታሕ ከሎ ሞባይል ስልኪ፣ላፕቶፕን ሃርድ ዲስክን ኣብ ኢድ ፖሊስ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ኣብ መጀመሪያ ማዕልቲ ስድርኡ እውን ኣበይ ከምዘለው ኣይፈልጡ ነይሮም ዝበለ ንሱ እቲ ምፍርራሕ ክሳብ ክነቐትለካ ኢና ኢሎም ሽጉጥ ኣብ ግንባሩ ክሳብ ምግባር ሰፊሕ ምፍርራሕ ከምዘጋጠሞ ሓቢሮም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግራማይ ገብሩ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንልዕሊ 12 ዓመታት ሰሪሑ እዩ።እቶም ዝተፈትሑ ግርማይ ገብሩ፣ፍፁም ብርሃነ፣ናይ ፋይናንሻል ታይምስ ተርጓሚ ኣሉላ ኣካሉን ንዝተፈላለያ ሚዲዲያታት ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ታምራት የማነን እዮም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ደምበላሽ ገብረሚካኤልን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ኣብ መቐለ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:59 0:00



XS
SM
MD
LG