መቐለ —
ኣስታት 60 ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ትማሊ ረቡዕ ናብ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ: ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ምስ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተመያይጦም።
እቶም ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ትግራይ ሕጂ`ውን ኣብ ጸገም`ያ ዘላ ዝብሉ ትካላት ንግድን ትራስፖርትን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጌሮም ኔሮም። ሎሚ ግን ምንቅስቓስ ከተማ መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምውዓሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብታ ከተማ ሓቢሩ'ሎ።