ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅቡቲ፡ንጻውዒት ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብፕረ. ሶማል ነቒፋ


ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን
ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ጻውዒት ጅቡቲ ኮኒናቶ።

ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል: ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ጻውዒት መንግስቲ ሪፖብሊክ ጅቡቲ ምሕዛኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብመገዲ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል ሎሚ ባሕቲ ነሓሰ ዝወጸ መግለጺ- “ሶማል ከም ልኡላዊት ሃገር ምስ ዝኾነት ሃገር'ቲ ዞባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት መሰላ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ: እንተኾነ ከም ሶማል ዝአመሰለ ሓው ጅቡቲ ዝኾነ መንግስቲ: መሬትን እሱራት ጅቡትን ንዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ድጋፍ ክህብ ግን ቕቡል ኣይኮነን ” ኢሉ።

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ሶማልን
መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ሶማልን

ፕረዚደንት መሓመድ ከም ፕረዚደንት ሓው ሃገረ ሶማል፡ ኣብ መግለጺኡ ንጉዳይ ዶባዊ ሽግር ኤርትራን ጅቡትን ክጠቕሶ ይግባእ ነይሩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል፥ ፕረዚደንት መሓመድ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሪፖብሊክ ጅቡቲን ዘሎ ናብ ዶብ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ መንገዲ ክጽውዕ ይግባን ኔሩ ክብል ብተወሳኺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ብዝተፈጥረ ናይ ዶብ ግጭት ጅቡቲ ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለትን እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሓን ብምግላጽ: ሶማል ነቲ ንኤርትራ ትህቦ ደገፍ ንጅቡቲ ቅቡል ከምዘይኮነ'ዩ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን ነዚ ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ: መግለጺ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ መሓመድ ኣብ ጉዳይ ምልዓል ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ "ኣዝዩ ዘሰንብድ" ክብል ገሊጽዎ።

"ዞባዊ ሰላምን ዕብየንት ዝምጽእ ኩሉ ንድግፎ ኢና። እንተላይ ዲፕሎማውያዊ ምብጻሕ ኣብ ሞንጎ ሃገራት" ዝበለ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን "ይኹንምበር ቁጠባን ኣህጉራዊ ምስልን ጅቡቲ ክጎድእ ተሓሲቡ ንዝካየድ ግን እቲ ደረጃ ሓሊፍናዮ ኢና" ክብል ብተወሳኺ ንድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ጸሓፊ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ነቢል ስዒድ
ቀዳማይ ጸሓፊ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ነቢል ስዒድ

ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ: ትማሊ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም እቲ ቤት ምኽሪ ንሰላምን ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ካልእ ዕድል ክሓልፎ የብሉን ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ተአማንነት’ቲ ቤት ምኽሪ ብዜጋታት እቲ ዞባ’ዩ ክብሉ ምፍላጦም ይዝከር።።

ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ ብዘይካዚ፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ቕድመ ኹነት ብምልዓል እቲ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላምን ብዕዉት ቑጠባ ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ንድልየት ከምዝድግፍን ኣወንታዊ መልእኽቲ ከሕልፍ ኣለዎ ክብሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጸዊዖም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጅቡቲ፡ንጻውዒት ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብፕረ. ሶማል ነቒፋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

XS
SM
MD
LG